ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ኦሮሞ ዝወሰድ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ጠጠው ክብል ተሓላቒ መሰላት ፀዊዑ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ዘካይዱ ሰልፈኛታት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሓይሊ ምጥቃሞም ደው ከብሎ ህውማን ራይትስ ዎች ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ፀዊዑ።

እቲ ትካል ቅድሚ ሰለስተ ማዕልታት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ተመስሪቶም ሪኢቶ ሃሃቡ ኣብ ህይዋማን ራይትስ ዎቻ ንጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝከታተሉ ፌለኪስ ሆርን ሓይልታት ፀጥታ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ሓይሊ ከይጥቀሙ መንግስቲ ከረጋግፅ ከምዘለዎ ብምሕባር ‘’ሰበስልጣን ፀጥታ ነዚ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምብታን ካብ መጠን ንላዕሊ ሓይሊ ተጠቒሞም እንተኾይኖም ሽዑ ንሽዑ ምርመራ ተገይሩ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ኣለዎም’’ኣለዎም ኢሎም።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተምሃሮ ካልኣይ ብርክን ላዕለዎት ኣብያተ ትምህርትን ንማስተር ፕላን ኣዲስ ኣበባ ብምቅዋም ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት እናካየዱ ይርከቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሎማዕንቲ ሰሉስ እውን ኣብ ወሊሶ ምዕራብ ኣርሲ፣ሆራ ጉድሩ ወለጋ፣ጀልዱ ምዕራብ ሸዋ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ቀፂሉ ከምዝውዓለ ንደሕንነትና ስለ እንሰግእ ስምና ኣይንገልፅን ዝበሉ ነበርቲ ገሊፆም።

ዛጊድ ኣብዝተኻየደ ሰልፊ ሰለስተ መናእሰይ ከምዝተቐትሉ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ኣሚኑ’ሎ።ብሞት እቶም መናእሰይ ምሕዛኖም ዝገለፁ ኮሚሽነር ፖሊስ እቲ ክልል ኣፃሪና ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ኢሎም ኣለው ኣብዝሓለፈ ሰሙን።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይክአል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:18 0:00

XS
SM
MD
LG