ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ቐይዲ ዝርከቡ 7 አባላት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ክፍትሑ ጸዊዑ


ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ንዝርከቡ ሸውዓተ ላዕለዎት ኣባላት ተቃዋሚ ፓርቲ ግንባር ነፃነት ኦሮሞ (OLF) ንክፍትሑ ዓለምለኸ ጉጅለ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ፀዊዑ።

እቲ ጉጅለ ሎሚ ሰኑይ 24 ሓምለ 2023 ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ እቶም ላዕለዎት ኣባላት’ቲ ተቃዋሚ ፓርቲ ብፖለቲካዊ ኣረኣእየኦም ጥራይ ብሃውሪ'ዮም ተኣሲሮም ይብል ።

ሁማን ራይትስ ዎች: ቤት ፍርዲ ንኽፍትሑ ዝተፈላለየ ትእዛዛት እንተተዋህበ’ዉን ካብ 2020 ዓ.ም ኣትሒዙ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ንኣብዲ ረጋሳ፡ ዳዊት ኣብደታ፡ ለሚ ቤኛ፡ ሚካኤል ቦረ፡ ከነሳ ኣያናን ገዳ ኣልጂራን ኣብ 2021 ከኣ ንገዳ ገቢሳን ኣሲሮም ከም ዝርከቡን ገሊጹ።

ብመሰረት ፀብፃብ’ቲ ጉጅለ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ እቶም ሰባት ብዘይ ክሲ ንነዊሕ እዋን ተኣሲሮም ክፀንሑ ዝገበሮም ሕጋዊ ባይታ ኣየቅረቡን።

ብዛዕባ’ዚ ፀብፃብ'ቲ ጉጅለ ተሓላቂ መሰላት ምላሽ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG