ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምዕራባውያን፡ ሰብኣዊ መሰል ንዝግህሱ መራሕቲ ጸቕጢ ኣይገብሩሎምን ኣለዉ ይብል ሁማን ራይትስ ዋች


ኣብ ኣፍሪቃ ፡ኢትዮጵያን ርዋንዳን ዝያዳ ረገጽቲ እናኾና ይኸዳ ከምዘለዋ`ውን ኣብ ዓመታዊ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ

ሁማን ራይትስ ዋች ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ሪፖርቱ፡ እቶም ዲሞክራስያውያን ዝብሃሉ መንግስታት፡ ኣንጻር`ቶም ገሃስቲ ምሰል ዝኾኑ መራሕቲ ጸቕጢ ምፍጣር ስኢኖም ከምዘለዉ ይጠቅስ። ካብ መንጎ`ቶም ንገሃስቲ ምውቃስ ስኢኖም ኣለዉ ተባሂሎም ዝተወቕሱ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባን ኪ ሙን፡ ሓላፊት ፖሊሲ ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ካተሪን ኣሽተን፡ ከምኡ`ውን ናይ ዩ.ኤስ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ተጠቒሶም ኣለዉ።

ምዕራባውያን መንግስታት፡ ምስ`ቶም ገሃስቲ መንግስታት፡ ጥቡቕ ርክብ ስለዘለዎም፡ ነቶም መግሃስቲ ዓይኖም ዓሚቶም ይርእይዎም ኣለዉ ይብል ሁማን ራይትስ ዋች። “ኣብተን ሃገራት ገዚፍ ልምዓታዊ ሓገዝ ስለ ዘንቀሳቕሱ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል እናኸፍአ እናኸደ፡ ንምግጣሙ ድፍረት ይሓጽሮም ኣሎ” “ሕጂ ኣብ ነንሕድሕዱ ዝተዋቕዐ ዓለም ኢና ንነብር ዘለና…ምዕራባውያን ዲሞክራሲያውያን፡ ከም ኣሰጎምቲ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዘለዎም ሕጋውነትን ምትእምማንን ደረጅኡ እናንቆልቆለ ይኸይድ ኣሎ”።

ንኣብነት ይብሉ ኣብ ለንዶን ዲረክተር ሁማን ርይትስ ዋች ቶም ፖርቲዮስ፡ ኣብ ዩ.ኤስን ኤውሮጳን ዝካየድ ስጉምትታት ጸረ-ሽበራ፡ ናብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ኣምሪሑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG