ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታደራት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጋምቤላ ግፍዒ ፈፂሞም ክብል ሓደ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኸሲሱ


HUMAN RIGHTS WATCH ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ወታደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክልል ጋምቤላ ምፍንቓል፡ማእሰርትን ፆታዊ ዓመፅን ሓዊሱ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ፈፂሞም ክብል ኣብዚ ሰሙን እዚ ፀብፃብ ኣውፂኡ’ሎ።
እቲ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት መንነቶም ዘይተፈለጡ ዕጡቓት ኣብዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ኣብ ጋምቤላ ኣብዝርከብ ልምዓት ሕርሻ ሳውዲ ስታር እንተወሓደ ንሓደ ፓኪስታናዊን ኣርባዕተ ኢትዮጵያዊያንን ሰራሕተኛታት ቐቲሎም ካብ ዝስወሩ ንድሓር ከምዝተፈፀመ ይገልፅ።

እቲ ትካል ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብዘውፅኦ ፀብፃብ ሰፋሕቲ ናይ ሕርሻ መሬት ንናይ ወፃኢ ኢንቨስተራት ንምክራይ ኣብ ገለ ቖላታት ኢትዮጵያ ይቃወሙ እዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ዕጡቓት ኣብ ዝሓለፈ 20 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ጋምቤላ ኣብ ዝርከብ ናይ ሳውዲ ስታር ልምዓት ሕርሻ ቶኽሲ ብምኽፋት እንተወሓደ ንሓደ ፓኪስታናዊን ንኣርባዕተ ኢትዮጵያዊያንን ምቕታሎም ይዝከር ይብል።

እቲ ሓደጋ ስዒቡ ካብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ ፍርቂ ግንቦት ኣብ ዘሎ እዋን ብፍላይ ድማ ኣብ ወረዳ ኣቦቦ ዝተሓብኡ ዓመፅቲ ኣበይ ከምዘለው ተዛረቡ ክብሉ ወታደራት ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮን ሽማግለታትን ከቢድ ግፍዒ ፈፂሞ ይብል እቲ ፀብፃብ።
ህይውማን ራይትስ ዎች ካብ ጋምቤላ ናብ ደቡብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ጎሮም ንዝርከቡ 80 ሰባት ኣዘራሪቡ’ኣሎ።
XS
SM
MD
LG