ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፖሊቲካዊ ተቃወምቱ ሬድኤት መግቢ ብምኽልካል ተወቒሱ


Human Rights Watch ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት፡ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ንገዛኢ ፓርቲ ንዘይድግፍ ዝኮነ ይኹን ሰብ፡ ረድኤት ብምንፋግ፡ ከም ፖሊቲካዊ መጨቆኒ መሳርሒ ይጥቀምሉ`ለዉ ኢሉ`ሎ

እቲ ሪፖርት ኣተሓሒዙ እቶም ሰበስልጣን ንሓረስቶት ዘመናዊ ድኹዒ ይኽልክሉ፡ ኣባላት ተቓወምቲ እንተኾይኖም ኣብ ፕሮግራም-መግቢ-ንስራሕ ንኸይሳተፉ`ውን ይእግዱ ይብል።

Human Rights Watch ብምቕጻል: መማህራንን ተማሃሮን ፡ ስነ-ሓሳብ `ቲ ገዛኢ ፓርቲ ንኽምሃሩ፡ ኣብ ኣኼባታት-“ንቕሓት” ክሳተፉ ከምዝግደዱ`ውን ተርዚሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ምንስተር ኮምኒከሽን ኢትዮጵያ ኣቶ በረኸት ስምኦን ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፡ ምዕዳል ረድኤት ወጻኢ ብምሰረት ሰብኣዊ ኣገዳስነት`ምበር፡ ንፖለቲካ ኣብ ግምት ኣእትዩ ኣይኮነን ኢሎም።

ኣተሓሒዞም፡ እዚ ኣብ U.S ዝርከብ ንባዕሉ ዝሾመ Human Rights Watch ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ክቕይር ደልዩ ስለዘይተሳኻዓሉ ካብ ጭንቀት ተበጊሱ`ዩ ኢሎም።

Human Rights Watch ኣብ 53 ቁሸታት ኢትዮጵያ ንልዕሊ 200 ሰባት ቃለ-መጠይቕ ከምዘግበረ ይገልጽ።

ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል

XS
SM
MD
LG