ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሂማን ራይትስ ዎች ኣብ የመን ኣብ መፅንሒ ፍልሰተኛታት ንዝወረደ ባርዕ ተሓተቲ ዓማፂ ሑቲ እዩ ኢሉ


ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂማን ራይትስ ዎች ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ የመን ሰንዓ ኣብ መፅንሒ ፍልሰተኛታት ንዝሞቱ ኢትዮጵያዊያን ንዓመፅቲ ሑቲ ወቒሱ።ሂማን ራይትስ ዎች ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዓመፅቲ ሑቲ ዘውረዱዎ መጥቓዕቲ ሕቡራት ሃገራት ንክምርመሮ ሓቲቱ ኣሎ።

ናይቲ ባርዕ መንቀሊ ብዝምልከት ካብቲ ሓደጋ ንዘምለጡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ጠቒሱ Human Rights Watch መግለፂ ኣውፂኡ ኣሎ።ኣብቲ መፅንሒ ማእኸል ዘሎ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ብዝምልከት ተቓውሞ የስምዑ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ሓለውቲ ናይቲ ማእኸል ንዕጡቓት ሑቲ ከምዝፅውዑዎም እቶም መሰኻኽር ገሊፆም።

እቶም ዕጡቓት ንቶም ፍልሰተኛታት ከም ዝቐጥቀጡዎምን መንቀሊ ሓዊ ዝኾነ ተባራዒ ከምዝደርበዩሎምን እቲ ፀብፃብ ሓቢሮም።

ኣብ Human Rights Watch ንጉዳይ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን እትከታተል ናዲያ ሃርድማን እቲ ዝወረደ ባርዕ ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዝወርድ ዘሎ ሓደጋ ምጥፋእ ህይወት መርኣያ እዩ ኢላ።

ወሃቢ ቃል ሑቲ ሚሊሽያ መሓመድ ዓብዱል ሰላም ነቲ ሓደጋ ተሓታቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት IOM እዩ ኢሉ ኣሎ።እቲ ትካል ብዘይ ሕጊ ናብ የመን ንዝኣተው ክሕግዝ ኣለዎ ኢሉ ብምውሳኽ።

ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ገበን ተሓታቲ እዮም ዝበለ እቲ ፀብፃብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዊያን ንዝወረደ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ክምርምሮ ኣለዎ ኢሉ።

በቲ ባርዕ በዝሒ ዝሞቱ ኢትዮጵያዊያን ኣይፍለጥን። ሓደ ነባሪ ሰንዓ ግን ክሳብ ሕዚ 43 ኢትዮጵያዊያን ከምዝተቐበሩ ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኩነታት ኢትዮጵያዊያን ንከታተሎ ኣለና ኢሉ ኣሎ።ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ድሕሪ ሰለስተ ማዕልታት ናይ 43 ሰባት ስርዓተ ቀብሪ ምፍፃሙ ኣረጋጊፆም።

ትማሊ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ የመን ዝነበሩ 143 ኢትዮጵያዊያን ካብ ኤደን ናብ ሃገር ምምላሶም ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣፍሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG