ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ 400 ሰባት ቐቲሎም ኢሉ


ህውይማን ራይስት ዎች ዝተብሃለ ጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ልዕሊ 400 ሰባት ቐቲሎም ኢሉ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውፅኦ ሓድሽ ፀብፃብ ወታደራት ብዘይ መጠንቀቕታ ኣብ ልዕሊ ናይ ኦሮሚያ ተቓወምቲ ብተደጋጋሚ ይትኩሱ ነይሮም ይብል።መብዛሕቲኦም ዝተቐትሉ ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዑ ሓዊሱ ተምሃሮ እዮም ኢሉ’ሎ።

ፖሊስ እቲ ተቓውሞ ካብዝጅምር ንዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ከምዝኣሰረን ብዙሓት ኽሲ ከይቐረቦምን ጠበቓታት ይኹን ኣባላት ቤተ ሰቦም ከይኣይርኣዩዎምን ተኣሲሮም ይርከቡ ይብል።

ገለ ናይ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ናብ ወራርን ዕንወትን ንብረት መንግስቲ ዘምርሕ ህውከት ከምፈጠሩ እውን ህውማን ራይትስ ዎች ሓቢሩ’ሎ።

ሚንስቴር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ እዚ ተሓቲቶም ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ኣብ ባይታ ዘሎ ናይ ባዕልና ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፃሪዩ እዩ፤ህውይማን ራይትስ ዎች ግን ኣብ ባይታ ስለዘየለ ጭቡጥ ኣይኮነን ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:01:05 0:00

XS
SM
MD
LG