ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ አብ ዝኻየድ ዘሎ ተቓውሞ 140 ሰባት ሞይቶም ይብል ሂማን ራይትስ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝኻየደ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ብዉሑዱ 140 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ተቐቲሎም ይብል ሂማን ራይትስ ዎች ዝተባሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት።

እቲ ቁጽሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዘረጋገጾ ንላዕሊ እዩ። ምኽንያት ሞት እዞም ሰባት ድማ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ብዝተፈጥረ ጎንጺ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ሂማን ራይትስ ዎች ሎሚ ዓርቢ ከምዝገለጾ በቲ ኣጋጣሚ ብዙሓት እውን ቆሲሎም ኣለው ኢሉ።ኣብ 2005 ዓ.ም.ፈ ኣብታ ሃገር ዝተካየደ ምርጫ ስዒቡ ካብዝነበረ ህውከት ምናልባሽ እቲ ዝዓበየ ቅልውላው ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል እቲ መግለጺ።ናይ ሂማን ራይትስ ዎች ሓድሽ ግምት ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ቅድም ክብል ካብ ዝተገለጸ ብኣስታት ክልተ ዕጽፊ ወሲኹ’ሎ።

ኣብ ሕዳር ተቓውሞ ካብ ዝልዓል ጀሚሩ መንግስቲ ናይ ሓሙሽተ ሰባት ምሟት ጥራሕ እዩ ኣረጋጊጹ ዘሎ።

ወሃቢ ቃል ሂማን ራይትስ ዎች ፌሊክ ሆርን ብዝሒ ዝሞቱ ዘረጋገጸሉ መንገዲ ተሓቲቶም ከምዚ ክብሉ መሊሶም።

‘ኣብ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ንምርካብን መጽናዕቲ ንምክያድን ዘሎ እገዳ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተባሃሉ ኣሃዛት ንምጽራይ ኣዚዩ ኣጸጋሚ እዩ።እቶም ዝስምዑ ዘለው ወረታት ኣብ ባይታ ወሪዱን ኣዋዲዱን ዘቕርብ መራኸቢ ብዙሃንን ነጻ ማሕበረሰብን የለን።ስለዝኾነ ካብ ተሓለቕቲ ንረኽቦ ዘለና ቁጽሪ 140 እዩ።መብዛሕቲኦም ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተረኽቡ ቪዲዮታትን ኣሳእልን እዮም።እዞም ቪዲዮታት እዚኦም ኣብ ዝተወሰነ ኣጋጣሚ ዝተፈጸሙ ምዃኖም ከም መረጋገጺ መረዳእታ ክውሰዱ ኣይክእሉን።ጠሚርካ ክትሪኦ ከለኻ ግን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሓይሊ ናይ ምጥቃም ስጉምቲ ከምዝነበረ እዩ ዝሕብር። ‘

እቶም ተቓወምቲ መብዛሕቲኦም ኣባላት ብሄረሰብ ኦሮሞ ዝኾኑ ተማሃሮን ሓረስቶትን’ዮም ክብሉ ከለው መንግስቲ ብወገኑ ጽንፋዊያን ጉጅለታት ኦሮሞን ዕጡቓት ሸፋቱን እዮም ክብል ይጽውዖም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG