ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

Human Rights Watch ዓመታዊ ፀብፃቡ ሎሚ ኣውፂኡ


Human rights watch logo
Human rights watch logo
ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ Human Rights Watch ዝተብሃለ ትካል ኣብ ሶሪያን ማሊን ከምኡ’ውን ናይ ዓረብ ፅድያ ኣብዝተኻየደሎም ከባቢታትን ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቐሎ ኣብ ዘውፅኦ ዓመታዊ ሪፖርቱ ኣፍሊጡ።እቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝመደብሩ ትካል ፀብፃቡ ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብ ከተማታት ለንደንን ጆሃንስበርግን ኣውፂኡ’ሎ።

Human Rights Watch ኣብ ሪፖርቱ ኣብ ምንቅስቓስ ፅድያ ዓረብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝነበረ ታሕጓስን ተስፋን ንህዝቢ መሰሎም ከረጋግፀሎም ኣይክኣለን ይብል

እቲ 665 ገፅ ዝሓዘ ሎማዕንቲ ሓሙስ ዝወፀ ሪፖርት ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሓዊሱ ናይ ልዕሊ 80 ሃገራት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት መርሚሩ’ሎ።

እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሪፖርት ዝዓበየ ትኹረቱ ናይ ሶሪያ ህውከት ገይሩ’ሎ።ብመሰረት ግምት ሕቡራት መንግስታት ኣብታ ብዓመፅ ትሕመስ ዘላ ሶሪያ ዛጊድ 60 ሽሕ ሰባት ሞይቶም ኣለው።
ዋና ፈፃሚ ዳይረክተር Human Rights Watch ከኔት ሮት ካብ ለንደን ኣብዝሃብዎ ቃል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፕሬዝዳንት በሽር ኣል-ኣሳድ ፀቕቲ ንምሕዳር ሩሲያን ቻይናን ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ጥቡቕ ማዕቐብ ንኽግበራ ፀዊዖም።

ኣድቮከሲ ዳይረክተር ኣፍሪካ ቲሰከ ካሳምባላ ናይ ኣፍሪካ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዘተሓሳስብ ኮይኑ ቀፂሉ’ሎ ይብላ።

ዓመተ 2012 ኣብ ዴሞክራስን ኣብ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላትን ንድሕሪት ዝተመለሰሉ እዩ ዝበላ ንሰን ኣብ ናይጀሪያ፣ሶማሊያን ኬንያን ዝተርኣየ ስግኣት ሽበራ ከምኡ’ውን ምንሃር ሃገራውን ዞብውን ወጥርታት ምጥቃስ ይክኣል ኢለን።’’ኣገዳሲ ኢኮኖሚያዊ ዕብየትን ገስጋስን ኣብዘርእያ ዘለዋ ሩዋንዳን ኢትዮጵያን ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት ሓሳብካ ናይ ምግላፅን ናይ ምውዳብን መሰላት ዝድርት ጥቡቕ እገዳታት ምንባረን ቀፂለን ኣለዋ።’’

ኣብ ድሕሪ ናይ 2012 ኣ/ፈ መፍንቅለ መንግስትን ዓመፅን ድሕሪ ምክያዱ ዘሎ ኩነት ዘሻቕል ኮይኑ’ሎ ይብላ ካሳምባላ።ሓደሽትን ቐፂሎም ዘለውን ቅልውላዋት ማሊ፣ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን፣ኣብ ዴሞክርሲያዊ ሪፓባሊክ ኮንጎ ይካየድ ዘሎ ኵናትን ከምኡ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ፣ኤርትራን ሱዳንን ዝቐፀለን ዝፀንሐን ዓፈና ኣብታ ኣህጉር ስብኣዊ መሰላት ንምኽባርን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ኣብዝግበር ጉዕዞ ዕንቅፋት ኮይኑ ቀፂሉ’ሎ ኢለን።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ኬንያን ዛምብያን ክካየድ ተታሒዙ ኣብዘሎ ምርጫ ህውከት ክልዓል ከምዝኽእል እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ስግኣቱ ገሊፁ’ሎ።
XS
SM
MD
LG