ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘተሓሳስብ ኮይኑ’ሎ ይብል ዓመታዊ ሪፖርት ሂማን ራይትስ ዎች


ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዓመታዊ ሪፖርት ዘውጽአ ሂማን ራይትስ ዎች ኣብ 2015 ዓ.ም.ፈ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘተሓሳስብ ኮይኑ’ሎ ኢሉ።

ሂማን ራይትስ ዎች ሎሚ ረቡዕ ኣብዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ናይ 2015 ዓ.ም.ፈ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ኣየርአያን ዝበለ ኮይኑ ኣብ ከም ብሩንዲ ዝኣመሰላ ገለ ሃገራት ድማ እቲ ኩነታት ኣዚዩ እናሓመቐ ከይዱ’ሎ ይብል።

እዚ ናይ 2016 ጸብጻብ ሂማን ራይትስ ዎች ምስ ምርጫ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ኢትዮጵያ፣ብሩንዲን ኡጋንዳን ናይ ምዝራብ፣ናይ ምትእክካብን ካልኦት መሰላትን ተደሪቶም ኢሉ’ሎ።

ከም ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለም ኣብ ኣፍሪካ እውን ንኣተሓሕዛ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት መሰረታዊ ጸገማት ድኽነት፣ዝለዓለ ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢ፣ሸቕሊ ኣልቦነት፣ወዘተ ምዃኖም ኣብ ሂማን ራይስ ዎች ዳይረክተር ፕሮግራም ኣፍሪካ ኣቶ ዳንኤል በቀለ ዝሓበሩ ክኾኑ ከለው ይኹን እምበር ኣብ ኣፍሪካ ክልተ ዘተሓሳስቡ ጉዳያት እውን ኣለው ኢሎም።

ኣብ ኣፍሪካ ብጥሩፋት ጉጅለታት ግብረ-ሽበራ ዝፍጸሙ መጥቓዕትታትን ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ዝካየድ ግጭት እናወሰኸ ብምኻዱ ዝፍጸሙ ምጥሓሳት ሰብኣዊ መሰላት እዮም ኢሎም።ንሰላማዊያን ሰባት ዒላማ ዝገብሩ መጥቓዕትታት ግብረ-ሽበራ ብዙሓት ሰላማዊያን ሰባት ከምዝቐትሉን ንብረት ከምዘዓነወን ኣቶ ዳንኤል ወሲኾም ሓቢሮም። ኣቶ ዳንኤል መንግስታት ንናይ ጸጥታ ስግኣት ይወስድዎ ብዘለው ስጉምቲ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስ ምዃኑ እውን ካልእ ምኽንያት እዩ ኢሎም።

ኣቶ ዳንኤል ብምቅጻል ‘ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሓሳስብ ኮይኑ ቀጺሉ ዘሎ ብፍላይ ዴሞክራሲያውን ፖለቲካውን ሃውህው ዝጸበበ ምዃኑ እዩ።ሰባት ሓሳቦም ብነጻነት ናይ ምግላጽ መሰሎም ዝጥቀምሉ ዕድል ኣዚዩ ዝጸበበ ወይ ዕጽው እናኾነ ምምጽኡ እቲ ዝዓበየ ዝተሓሳስብ ጉዳይ እዩ።ምስዚ ዝተኣሳሰረ ዝፍጸሙ ማእሰርቲ፣ምክልባትን ካልኦትን ይውስኽ እዩ ዘሎ’ ኢሎም።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣዚዩ ዝኸፍአን ዘተሓስስብን ኮይኑ ቀጺሉ’ሎ ዝበሉ ኣቶ ዳንኤል ከምዚ ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም።

‘ናይ ኤርትራ ኩነታት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ምናልባሽ ኣብ ኣፍሪካ ኣዚዩ ዝተሓሳስብን ዝኸፍአን ካብ ዝብሃሉ ናይ መሰል ሽግራት እናኾነ እዩ መጺኡ።ብፍላይ ድማ ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ብግዲ ብዝውሃብ ወታደራዊ ኣገልግሎትን ካብ ኤርትራ ይስደዱ ዘለው መንእሰያት ቁጽሪን ክስደዱ ዘገደዶም ስቅያትን ብዓለምለኸ ደረጃ ኣዚዩ ዝተሓሳስብ ኣጀንዳ ኮይኑ’ሎ። ‘

እቲ ናይ ሂማን ራይትስ ዎች መግለጺ ብተወሳኺ መንግስቲ ኬንያ ሓይልታት ጸጥታ ከበድቲ ገበናት ዋላ እንተተፈጸሙ እውን ኣይሓቶምን፣ኣብ ደቡብ ሱዳን ድማ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዘስካሕክሕ መግሃስቲ ተፈጺሞም ኣለው።ኣብቲ ዞባ ንዝፍጸሙ ከበድቲ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት መንግስታት መርሚሮም ተሓተቲ ናብ ፍርዲ ኣየቕርቡን ይብል።

ኣሉታዊ ዝንባለታት እንተነበሩ እውን ኣወንታዊ ዝንባለታት ከምዝነበሩ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ምዕባለ መሰረተ ልምዓት፣ኣብ ቁጠባ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ብርክት ዝበሉ ማሕበራውን ቁጠባዊ መሰላት ግብራዊ ንምግባር ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ብዙሕ ምንቅስቓስን ምዕባለን ተራኢዩ’ሎ ኢሎም።

ሂማን ራይትስ ዎች ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ 90 ሃገራት ዝገልጽ 659 ገጽ ዝሓዘ ሪፖርት ኣውጺኡ’ሎ።

ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝመደብሩ ፍሪደም ሃውስ ዝተባሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት ዓለም ብዝምልከት ካልእ ጸብጻብ ምውጹኡ ክፍለጥ ተካኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG