ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተሓለቕቲ ሰብአዊ መሰላት አተሓሕዛ ጥርጡራት ግብረ-ሽበራ አሰካፊ’ዩ ይብሉ


Boko Haram sitting in court in N'Djamena
Boko Haram sitting in court in N'Djamena

ካብ 44 ሃገራት አፍሪቃ ዝተዋጽኡ ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ንኣተሓሕዛ ጥርጡራት ግብረ-ሽበራ አብ ትሕቲ ቀይዲን አብ ወታደራዊ ምርመራ ማእከልን አፍሪቃ አዝዩ አሰካፊ ምኻኑ ነቂፎም።

እዚ ዝተገልጸ አብ ካሜሮን አብ ዝተቃንዐ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዋዕላ ክኢላታት ሰብዓዊ መሰላት’ዩ።

ብተወሳኺ እቲ ዋዕላ መብዛሕትኦም ሃገራት አፍሪቃ አንጻር ግብረ-ሽበራ ዝገብሮ ቃልሲ ግድል’ዩ፡ ሓበሬታ ንምርካብ አብ ልዕሊ አብ ቀይዲ ዝርከቡ ጥርጡራት ሽበራ ዝፍጸም መስርሕ ምርመራ አሰቃቂ’ዩ ይብል።

እቶም ክኢላታት መራሕቲ አፍሪቃን ናይ ጸጥታ አባላቶምን አብ አተሓሕዛ እዞም ጥርጡራት መለኽዒታት ዓለምለኻዊ ሰብዓዊ መሰላት ንክኽተሉ ጸዊዖም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ተሓለቕቲ ሰብአዊ መሰላት አተሓሕዛ ጥርጡራት ግብረ-ሽበራ አሰካፊ’ዩ ይብሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:00 0:00

XS
SM
MD
LG