ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተወለድቲ ትግራይ ብመንነቶም ብጃምላ ይእሰሩ ከምዘለው ነበርትን ተሓለቕቲ መሰላትን ገሊፆም


Poolisii Finfinnee
Poolisii Finfinnee



ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ብመንነቶም ንጃምላዊ ማእሰርቲን ስቓይን ይሳጥሑ ዝብል በበይኑ ሓበሬታታት ክበጽሓና ጸኒሑ።

ኣብ ትግራይ ግጭት ካብ ዝልዓል ጀሚሩ ካብቲ ዓውዲ ውግእ ርሒቖም ዝርከቡ ስቪላት መቕተልቲ ሓዊሱ ግዳያት ማእሰርቲ መስወርቲምዕሻግን ምውራስን ንብረት ይኾኑ ከምዘለው ዝተፈላለዩ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብናይ መንግስቲ ስራሕ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ ንድሕንነቱ ክብሃል ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ነባራይ ቅድሚ ሎሚልዕሊ ሰለስተ ግዜ ከምዝተኣሰረ ይገልፅ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ግፋ ማእሰርቲ ብስፍሓት ይፍፀም ከምዘሎ ብዓይኑ ከምዝርኣየ ዝገለፀ ዘዘራረብናዮ ካብ መንበሪኡ ወፂኡ ተሓቢኡ ከምዝርከብ ይገልፅ።ካብ ዝሰርሕሉ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ብፍሓት ተሓፊሶም ተወሲዶም ይብል።ንሱ ግን ካብ መሳርሕቱ ብዝበፅሖ ሓበሬታ ካብ ማእሰርቲ ከምዘምለጠ ይዛረብ።

እቲ ኵናት ዓሚ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ወታደራትን ላዕለዎት መኮነናትን ተወላዶ ትግራይ ዕጥቖም ፈቲሖም ገሊኦም ኣብ ፈቖዶ ካምፕታት ተኣሲሮም ገሊኦም ላዕለዎ መኮንናት ድማ ካብ መንበሪ ገዛውቶም ከይወፁ ተነጊሩዎም ንሓደ ዓመት ኮፍ ኢሎም ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ካብ ገዛውቶም ተወሲዶም ኣበይ ከምዝኣተው ኣይፍለጥን።እዚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዘዘራረብኩዎ ነባራይ እውን ንሱ ዝፈልጦም ሰለስተ ኮሎኔላት ተወሲዶም ኣበይ ከምዘለው ከምዘይፈልጡ ስድርኦም ከምዝገለፅሉ ይዛረብ።

እዚ ሽሙ ክዕቀበሉ ዝደለየ ሰብ ገዝኡ ብተደጋጋሚ እናተፈተሸ ንሰለስተ ኣርባዕተ ማዕልታት ተኣሲሩ ከምዝተፈትሐ ይዛረብ።

እቲ ማእሰርቲ ብዘይ ኣፈላላይ ዝፍፀም ዘሎ እዩ ዝበለና ካሊእ ነባራይን ሰራሕተኛ መንግስቲ ድማ ቅድሚ ሎሚ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ይሕብር ።እቲ ማእሰርቲ እቲ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ቅድሚ ምእዋጁ ቅድሚ ክልተ ማዕልቲ ከምዝጀመረ ብምግላፅ ድሕሪ እቲ ኣዋጅ እቲ ንኩነታት እናገደደ መፂኡ ደረት እውን የብሉን ይብል።

ብዓል ሙያ ሕጊ ከምዝኾነ ንርእሱ ዝገለፅ እዚ ነባራይ ብተጋሩ ዝወነኑ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ናይ ንግዲ ትካላት ከምዝተዓፅው ብምግላፅ እቲ ሰብ ሰሪሑ ከይበልዕ ምዕፃውን ማእሰርቲን ተሓዊሱዎ ኣሎ ኢሉ።

ናይ ኣቦይ ስብሓት ነጋ ናይ ሕጊ ጠበቓ ዝነበረ ኣቶ ታደለ ገብረመድህን እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝርከብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልፅ።

ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን 8 ሕዳር 2021 ኣ\ፈ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ምስ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ተኣሳሲሩ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ይውዕሉ ዘለው ሰባት ኩነታት ኣተሓሕዝኦም ከምዘተሓሳስቦ ገሊፁ ኣሎ።ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ካብ ዝእወጅ 23 ጥቅምቲ 2014 ዓ\ም ጀሚሩ ሰባት ካብ ናይ ስራሕ ቦትኦም፣ካብ መንበሪኦምን መንገድን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖሊስ ጣቢያታት ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ገሊፁ ኣሎ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘካየዶ ክትትል ከምዘረጋገፆ እቲ ማእሰርቲ መንነት ወይ ብሄር መሰረት ብዝመስል ኣገባብ ይካየድ ከምዘሎን እቲ ማእሰርቲ ህፃውንቲ ደቂ ዘለወን ኣዴታትን ብዕድመ ዝደፍኡ ዓበይትን ዝርከቡሉ ብምዃኑ ኣዚዩ ከምዘተሓሳስቦ ይገልፅ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ተወኪሱ ከም ዘሰፈሮ’ውን፡ ንተወልደቲ ትግራይ ዒላማ ዝገበረ “ተደጋጋሚ ማዕበል” ማእሰርቲ ክብል ገሉጹዎ ኣሎ።

ኣብ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት Human Rights Watch ዳይረክተር ቀርኒ ኣፍሪካ ዝኾነት ላቲሻ ባደር ብዛዕባ እዚ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃበቶ ሪኢቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘሕለፎ ህፁፅ ኣዋጅ ዘተሓሳስብ እዩ ኢላ።

እቲ ኣዋጅ ንሓይልታት ፀጥታ ብዙሕ ስልጣን ህዝብ ምዃኑ ብምሕባር ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ እሱራት ምስ ስድርኦም ዘይረኽብሉን መብዛሕቲኦም ናብ ክልል ዓፋር ተወሲዶም ዝተኣሰርሉን ከምዝነበረ ኣዘኻኺራ ላቲሻ ባደር።ኣብዚ ሰሙን ማእሰርቲ ይፍፀም ከምዘሎ ሓበሬታ ከምዝበፅሓ ትዛረብ።

‘’ሓቂ እዩ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ብዘተሓሳስብ ኩነታት ተወለድቲ ትግራይ ጥራሕ ከይኮነስ ተወልደቲ ብሄር ኦሮሞ እውን ምእሳሮም ከምዝወሰኸ ፀብፃብ በፂሑና ኣሎ’’ትብል።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ‘’ድሕነትን ፍትሕን ንትግራዎት’’ ዝተብሃለ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደብሩ ውዳበ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ይፍፀም ኣሎ ዝበሎ ጃምላዊ ማእሰርቲ ኣመልኪቱ ጥርዓኑ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣቕሪቡ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ሪኢቱኦም ዝሃቡኒ ናይ ድሕነትን ፍትሕን ንትግራዎት ምኽትል ፕሬዝዳንት ኦፕረሽን ፕሮፌሰር ሙሉጌታ ገብረግዛብሄር፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዩኒቨርስቲ ባህርዳር ዝምህር ዝነበረ ኣብ ኣፍደገ መንበሪኦም ብጥይት ተወቒዖም ከም ዝተቐትሉን ስድራቤቱ’ውን ክቕብሩዎ ዕድል ከም ዘይተዋህቦምን ይዛረብ። ካልኦት ክልተ ተወለድቲ ትግራይ ዝዀኑ ምምሃራን ዩኒቨርስቲ’ውን ኣብ ወሎ ከም ዝተቐትሉ የመልክት ፕሮፈሰር ሙሉጌታ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ህፁፅ ኣዋጅ ግዜ ምስ ሽብር ጉጅለታት ይተሓባበሩ እዮም ተባሂሎም ምኽኒታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ዝተጠርጠረ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣብ ቁፅፅር ክውዕል ከምኽእል ይገልፅ እቲ ኣዋጅ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ኣይተፈፀም ክብል ብተደጋጋሚ ይነፅጎ። ትማሊ ንቪኦኤ መልሲ ዝሃቡ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ናይ ኮሚንኬሽን ኣገልግሎት ምንስቴር ዶክተር ለገሰ ቱሉ ሰባት ናይታ ሃገር ሕጊ ስለዝጠሓሱ እምበር ብመንነቶም ይኹን ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰራሕተኛታት ብምዃኖም ኣይኮነን፣ብመንነት ዝእሰር ሰብ የለን ኢሎም።

ሎሚ ንጋዜጠኛታት መግለፂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰራሕተኛታት ዝተኣሰሩ ንናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ብምጥሓስ ስለዝተጠርጠሩ እዩ ክብሉ ነቲ ነይ መንግስቲ መርገፂ ደጊሞም።

XS
SM
MD
LG