ነዚ ህውከት ንምግታእ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ሕጋዊን ተመጣጣኒን ሓይሊ ተጠቒሞም’ዮም እንተኾነ ኣብ ካልእ ኸአ ነዚ ዝጻረር ተፈጺሙ’ዩ።መበገሲ’ቲ ህውከት መብዛሕትኡ ጉድለት ሰናይ ምሕደራን ጸገማት ቁጠባን’ዮም ነዚ ዘጋደዱ ድማ ሕጋዊን ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾኑ ሓይልታት ፖለቲካ’ዮም ኢሉ’ሎ።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዶ/ር አዲሱ ገብረእግዚኣብሄር ጸብጻብ ምርመራ’ቲ ኮሚሽን ዘተኾረሎም ጉዳያት ኣቕሪቦም።
ካብቲ 170 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ መብዛሕትኡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተራእየ ህውከትን ዕግርግርን ከምኡ’ውን ሓይልታት ጸጥታ ጌሮሞ ዝተባህለ ተግባራት’ዩ።
ኣስማቶም ኣብቲ ጸብጻብ ዝተጠቅሰ ተቓወምትን ናይ ሚድያ ሰባትን እውን ምላሽ ሂቦም’ለው።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።