ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ዓመት ዝተራእየ ተቓውሞ ዝምልከት ጸብጻቡ ንፓርላማ ኣቕሪቡ


 ፋይል- ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝነበረ ተቓውሞ
ፋይል- ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝነበረ ተቓውሞ

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሎሚ ንፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዘቕርቦ ጸብጻቡ ካብ ሰነ 2,2008 ዓ.ም መወዳእታ ክሳብ መስከረም 2009 ዓ.ም ኣብ ክልላት ኦሮምያ፡ ኣምሓራን ደቡብ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ተፈጢሮም ዝበሎም ህውከትን ዕርግርግን ብዝምልከት 669 ሰባት ሞይቶም 1018 ኸአ ዝተፈላለየ ጉድአት አካላት በጺሕዎም ብብዙሕ ሽሕ ዝቁጸሩ ድማ ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ክብል ገሊጹ።

ነዚ ህውከት ንምግታእ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ሕጋዊን ተመጣጣኒን ሓይሊ ተጠቒሞም’ዮም እንተኾነ ኣብ ካልእ ኸአ ነዚ ዝጻረር ተፈጺሙ’ዩ።መበገሲ’ቲ ህውከት መብዛሕትኡ ጉድለት ሰናይ ምሕደራን ጸገማት ቁጠባን’ዮም ነዚ ዘጋደዱ ድማ ሕጋዊን ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾኑ ሓይልታት ፖለቲካ’ዮም ኢሉ’ሎ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዶ/ር አዲሱ ገብረእግዚኣብሄር ጸብጻብ ምርመራ’ቲ ኮሚሽን ዘተኾረሎም ጉዳያት ኣቕሪቦም።

ካብቲ 170 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ መብዛሕትኡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተራእየ ህውከትን ዕግርግርን ከምኡ’ውን ሓይልታት ጸጥታ ጌሮሞ ዝተባህለ ተግባራት’ዩ።

ኣስማቶም ኣብቲ ጸብጻብ ዝተጠቅሰ ተቓወምትን ናይ ሚድያ ሰባትን እውን ምላሽ ሂቦም’ለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG