ኣብ ጀነቫ ተጋቢኡ ዝቐነየ ቤት መኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ዝምልከት ኣብ ዘቕረቦ ውሳነኡ ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሸቶታት ሚለንየም ብኣግኡ ብምዕዋት፡ ኤኮኖሚያዊ፡ ማሕበራዊን መሰላት ህዝቡ ንምሕላው ዝወሰዶ ስጉምቲ ነመጉስ ድሕሪ ምባል፡ መርማሪ ኮምሽን፡ ኣብ ኤርትራ ካብ 1991 ጀሚሩ ጸረ-ሰብኣውነት ገበናት ተፈጺሙ ኢልካ ክትኣምኖ ትኽእል ምኽንያታዊ ባይታ ኣሎ ንዝበሎ ዓሚቕ ሻቕሎትና ንገልጽ ይብል።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ውሳነ፡ ሚዛኑ ዝሰሓተ ዘይፍትሓዊ`ዩ ድሕሪ ምባል፡ ካብ ግስጋሰና ንምትሕንዃል ብገለ ወገናት ዝግበር ከንቱ ፍተነ`ዩ ዝብል ምላሽ ሂብሉ`ሎ።