ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

’ኢትዮዽያ ትረኽቦ ሓገዝ ቁፅፅር የድልዮ’ - ተሓለቅቲ ትካላት


Leslie Lefkow
Leslie Lefkow
ኣብ‘ዚ ወርሒ‘ዚ ዝተሓትማ ክልተ ሪፖርታት፣ኣብ ኢትዮዽያ ሰብኣዊ መሰላት ቀልቢ ክሳብ ዘይረኸበ፣ምዕባለ’ታ ሃገር ብቀፃልነት ክመፅእ ከምዘይኽእል ገሊፀን።እቶም ሪፖርታት፣ለገስቲ ሃገራት፣ንኢትዮዽያ ዝህባኣ ገንዘብ፣ኣብ‘ታ ሃገር መግሃስቲ የተባብዕ ንከይህሉ ኣቀዲመን ናይ ምርግጋፅ ሓላፍነት ኣለወን ይብሉ።

ኣብ‘ታ ብበዝሒ ህዝባ ካብ ኣፍሪቃ ካልኣይ ደረጃ ዘላ ሃገር፣ ሰፊሕ ግህሰት መሰላት ከምዝኽሰት ተሓለቅቲ መሰላት ይዛረቡ።ስለዝኾነ ይብሉ፣ለገስቲ፣ንኢትዮዽያ ዝህብዋ ገንዘብ፣ንምግሃስ መሰላት የገልግል ከይህሉ ኣቀዲሞም ከረጋግፁ ኣለዎም ይብሉ።

ዳይረክተር ሁማን ራይት ዋች ጨንፈር ኣፍሪቃ ሌዝሊ ሌፍኮ ብሕልፊ ባንኪ ዓለም፣ኣይራኣኹን ባሃላይ ኮይኑ‘ሎ ትብል።

ዝሓለፈ ሰሙን፣ኣብ ኣሜሪካ ዝመደብሩ ማእከል መፅናዕቲ ኦክለንድ፣ኣብ ዝሰነዶ ሪፖርት፣ለገስቲ ትካላት ኣብ ምግሃስ መሰላት ኣብ ኢትዮዽያ ዝፃወትዎ ተራ ጠቂሱ ነይሩ።

መንግስቲ ኢትዮዽያ ግና፣እቶም ይስርሑ ዘለው ትካላት ሹኮርን ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ሓድሽ ግድብን፣ነታ ሃገር ምንጪ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ምዕባለን ዘረጋግፀላ‘ዩ ይብል።ቪኦኤ ነቲ ትካል ማእከል ምርምር ኦክላንድ ዘውፀኦ ሪፖርት፣መልሲ ካብ ኢትዮዽያ ክረክብ ፈቲኑ፣ግን ኣይቀንዖን።

ኢትዮዽያ ዓመት ዓመት ቢልዮናት ዶላራት ብመልክዕ ሓገዝ ካብ ካልኦት ትቅበል።እዚ ገንዘብ‘ዚ፣ንምምሕያሽ ዘፈራት ጥዕናን ትምህርቲን ዝውዕል‘ውን‘ዩ።

እንግሊዛዊ ክፍሊ ልምዓት ስግር ባሕሪ ግና፣ንኢትዮዽያ ዝፈቅደላ ገንዘብ፣ ንሚልዮናት ኢትዮዽያውያን ይሕግዝ‘ዩ ዘሎ ይብል።
ነቲ ሪፖርት ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:06 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG