ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ “ንዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘቃልዕ” ማሕበር ኣብ ሚኒሶታ ተመስሪቱ


ብፕረዚደንት`ቲ ኽልልን ተሓባበርቱን ግህሰት ሰብኣዊ ይፍጸም ክሳብ ኣብ ወጻኢ ንእንነብር ኣባላት`ቲ ማሕበረሰብ ከይተረፈ ከፈራርሑና ይፍትኑ ዝብሉ ተወላዶ ኽልል ሶማሌ: ክስታቶም ንድምጺ ኣሜሪካ ነጊሮም።

`ዱልሚ ዲድ` ዝብል ማሕበር`ዮም ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር መስሪቶም፡ `ፍትሒ ንሓትት` ንምባል`ዩ። ኣብ`ታ ተወላዶ ሶማሌ ብብዝሒ ዝቕመጡላ ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ ዝነብር ኣቦ-መንበር`ታ ማሕበር ዑመር ዶል፡ ማሕበሮም ፡ ፕረዚደንት`ቲ ኽልል ብዘይ ሓታቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርድዎ ዘለዉ በደል ንኸብቅዕን ነባሪ ፍታሕ ንምንዳይን ዝሰርሕ`ዩ ይብል። ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ኽልል ኢትዮ-ሶማሌ፡ ስግኣት ነጊሱ፡ መንእሰያት ኣብኡ ክጸንሕሉ ዝኽእል ተስፋ ስለዝሰኣኑ ንሓደገኛ ስደት ተቓሊዖም ኣለዉ፡ ከምኡ`ውን ካልእ መልሲ ዘይተረኸበሎም ብዙሓት ሕቶታት ኣለዉ ይብል።

“ኩሉ ሰብ ብፍርሒ`ዩ ዝነብር፡ ኣብያተ ማእሰርቲ መሊኦሞ`ዮም። ሰብ ብዘይምኽንያት ይእሰር፡ እንተተዛሪብካ ወይ ንእሽቶ ሕቶ እንተሓቲትካ ቤት ማእሰርቲ ኢኻ ትኣቱ፡ ሰብ ጨኒቕዎ`ዩ ዘሎ፡ መግቢ የለን፡ ማይ የለን። ኩሉ ዝተማህረ ካብ ሃገሩ ይወጽእ ኣሎ ። እዞም ኩሎም ብሱዳን ንሊብያ ኣብ ሽግር ወዲቖም ንሰምዖም ዘለና፡ ኣብ ክልሎም ተስፋ ስኢኖም ምንባር`ውን ስለዝሰኣኑ`ዮም።”

ካልእ ኣባል`ቲ ማሕበር ከድር ጅግሬ ኣደም፡ ምምሕዳር ክልል ኢትዮ-ሶማሌ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርዶ ዘሎ በደል ስለዘተሓሳሰበኒን ህዝቢ`ቲ ኸባቢ ንዝኽፍአ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ስለዝተቃልዐን ናብ`ዚ ፍትሒ ዝሓትት ማሕበር ክጽንበር ክኢለ ይብል።

“ናይ ህዝብና ድምጺ ንምዃን፡ እዚ ዱልሚ ዲድ ዝብሃል ማሕበር መስሪትና ኣለና። እዚ ድማ ኣብ`ዚ ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልእ ቦታታትን መስሪትናዮ ኣለና። ዕላማና ኣብ ክልል ሶማሌ ዘሎ ሽግር ንምቅላዕን ፍታሕ ንምድላይን`ዩ።”

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ተወላዶ ክልል ሶማሌ፡ ተጠርኒፎም ነቲ ማሕበር ካብ ዘቑሙ ንድሓር ኩነታት ክልወጡ ከምዝጀመሩ ዝገልጽ ኣቦ-መንበር ዱልሚ ዲድ ኣቶ ዑመር ዶል፡ ሰበ-ስልጣን`ቲ ኽልል፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኣባላት`ቲ ብሄረ-ሰብ ከይተረፈ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራቤቶም ሕነ ናይ ምፍዳይ ጉድኣት ክወርድ ከምዝኽእል ከፈራርሑ ከም ዝጸንሑ ይገልጽ።

“ኣብኡ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ`ዚ ኣብ ኣሜሪካ ንእንነብር ከይተረፈ ፡እዚ ማሕበር`ዚ ደው እንተዘይኣቢልክምዎ፡ ኣብ ጅጅጋን ኣብ`ዚ ዞባን ንዘለዉ ኣዝማድኩም ኩሎም ቤትማእሰርቲ ከእትዎም`የ እናበለ ይድውል ወይ ሰብ ይልእኽ፡ ድሕሪኡ ኣብኡ ዘለዉ ቤተሰብና ብፍርሒ ናባና ደዊሎም፡ ካብ`ቲ ማሕበር እንተዘይወጺኹም ክኣስሩና`ዮም ይብሉና። ሰብ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፍርሓት`ዩ ዝነብር ዘሎ።”

ኣቶ ዑመር ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን፡ ናይ ክልል ሶማሌ ፕረዚደንት ተሓጋጋዚ ዝኮኑ ሰባት ናብ`ዚ ናብ ኣሜሪካ መጺኦም ዝፈጸምዎ ዝበልዎ ስራሕ ዘርዚሩ`ሎ። ዋና ዕላምኦም መን ይቃወሞም መን ይድግፎም ንፍላይ`ዩ ዝብል ኣቶ ዑመር፡ ኣኼባ ጸዊዖም ሰብ ግን ኣይመጾምን ይብል።

“መጺኦም ኣኼባ ክገብሩ ፈቲኖም፡ ዝኸዶም ሰብ ኣይነበረን።እንደገና ኣኼባ ጸዊዖም፡ ሒደት ሰብ መጺእዎም፡ ድሕሪኡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ጸዊዖም ግን ኢትዮጵያውያን ተወላዶ ክልል ሶማልያ ከምዘይመጾም ስለዝፈለጡ፡ ሶማልያውያን ደገፍቶም ዓዲሞም፡ ብብዝሒ ሶማልያውያን ዜጋታት ከምዝሳተፉ ጌሮም “ ።

ንብርክት ዝበለ ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ-ግዝኣት ሚኒሶታ ዝነብር ተወላዲ ኽልል ሶማሌ-ኣቶ ከድር ጅግሬ፡ ቅድሚ ሎሚ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ዝጀመሮ ወፍሪ ንግዲ፡ ኣብ`ቲ ኽልል ሰፊኑ`ሎ ብዝበሎ ብልሽውናንን ጥሕሰት መሰልን ቢዝነሱ ከቋርጾ ከምዝተገደደ ይገልጽ።

ካብ ብልሽውና ክሳብ ብዘይ-ሕጊ ምእሳርን ምቕታልን ዝብል ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎ ክስታት ዝቐርቦ ዘሎ ፕረዚደንት`ቲ ኽልል ኣቶ ኣብዲ ሞሓመድ ዑመር፡ ብወገኑ ዝብሎ ንምስማዕ ጻዕሪ ተገይሩ ኣይተረኽበን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG