ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንጉዕዞ ስደት ዝትርኽ ፊልም- ዋሕዚ ሰባት


ንጉዕዞ ስደት ዝትርኽ ፊልም- ዋሕዚ ሰባት
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:31 0:00

ንጉዕዞ ስደት ዝትርኽ ፊልም- ዋሕዚ ሰባት

ኣብ ንእሽተይ ናይ ፕላስቲክ ጀልባ ዝተጻዕኑ ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ደሴታት ግሪክ ዝበጽሕሉ ጊዜ ዝተወስደ ምስሊ መሰረት ፊልም “ዋሕዚ ሰባት (Human Flow)” ምኳኑ ስነ ጥበባዊ ኣይ ዊዊ ይገልጽ።

እዚ 140 ደቓይቕ ዝምንውሑ ፊልም ካብቶም ንሽልማት ጎልደን ኣዋርድ ዝወዳደሩ ዘለው 21 ዓለምለኸን ናይ ኣሜሪካ ፊልምታት ሓደ ንምኳን’ውን ዝበቕዓ ኮይኑ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ከተማ ቬኒስ ዝተኻየደ ፌስቲቫል ፊልም’ውን ንምርኢት ቀሪቡ’ዩ።

እዚ መባእታዊ ብቴሌፎን ዝተወሰደ ምስልታት 200 አባላት ዘለውዎ ኣብ 23 ቦታታት ዝስራሕ ስራሕ ክቕየር ጊዜ ኣይወሰደሉን።

እዚ ፊልም ካብ ዒራቕ ናብ ባንግላዴሽ፡ ኢጣልያ ናብ ኬንያ ከምኡ’ውን ካብ ኣፍጋኒስታን ናብ ሜክሲኮ ብምንቅስቃስ ተሰሪሓ።

ፊልም “ዋሕዚ ሰባት” ካብ ካልኦት ፊልም ዝፈልዮ ብዛዕባ ሓደ ታሪክ ዝትርኽ ፊልም ብዘይምኳኑ እዩ። እዚ ፊልም ንተዓዛባይ ካብ ሓደ ህሞት ናብ ካልእ ህሞት ጉዕዞ ስደት ኣብ ዙርያ ዓለም ዝወስድ ኮይኑ ብሰብ አልቦ ነፈርቲ ዝተወሰደ ምስልታት፡ግጥምታትን ቃለ መጠይቕ ዝተፈላለዩ ሰባት’ውን ዝጠቓልል እዩ።

ንጉዕዞ ስደት ጥራይ ዘይኾነ ኣብ ዶባት ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝነብሩ ስደተኛታት መነባብሮ ዘርእይ እዩ።

ኣብ መንጎ ድማ ስነ ጥበባዊ አል ንሓንቲ ገጻ ዝተሸፈነት ጓል ኣንስተይቲ ኣብገማግም ባሕሪ ግሪክ ክሕግዛ የርእይ። ኣብቲ ሕሞት እታ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ቅድሚ ካሜራ ክትበኽይ ትርኣይ ግን ምስናድ ኣየቋረጸን። እቲ ምስሊ ንግልጹነትን ባህርያዊ ህሞት ዘርእይ ምኳኑ ብተወሳኺ ኣብ ጉዳይ ስደት ሓገዝ ኩሉ ሰብ ከምዘድልይ ዘርእይ እዩ ይብል ስነ ጥበባዊ ኣይ።

ስነ ጥበባዊ ኣይ ኣብ ቤይጂን ተወሊዱ ኣብ እዋን ናይ ቻይና ባህላዊ ሰውራ ካብ ሃገሩ ተሰዲዱ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ በርሊን ይነብር።

ንሱ ብተወሳኺ ትኹረቱ ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ብምግባር ኣብቲ ካብ ገማግም ደሴታት ሌስቦስ ተኣርዩ ኣብ በርሊን አዳራሽ ዝቐረበ 14,000 ናይ ህይወት ኣድሕን ጃኬታት ምስናድ ተሳቲፉ’ዩ። መብዛሕትኦም ካብቶም ነዞም ጃኬታት ዝተኸደኑ ኣብቲ ማእኸላይ ባሕሪ ንምቁራጽ ዝተኻየደ ጉዕዞ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣዮም።

ፊልም ዋሕዚ ሰባት ዝሳተፈሉ ዘሎ ሽልማት ጎልደን ላዮን መስከረም 9,2017 ዓ.ም ከምዝወሃብ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG