ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓመታዊ ሪፖርት ሰብዓዊ ምዕባለ ሎሚ ኣብ አዲስ አበባ ወግዓዊ ተገይሩ


ብመሰረት ሪፖርት መዐቀኒ ሰብኣዊ ምዕባለ (UNDP) ካብ 188 ሃገራት ኢትዮጵያ መበል 174፣ ኤርትራ መበል 186 ተሰሪዔን ኣለዋ

ብመሰረት ሪፖርት መዐቀኒ ሰብኣዊ ምዕባለ (UNDP) ካብ 188 ሃገራት ኢትዮጵያ መበል 174፣ ኤርትራ መበል 186 ተሰሪዔን ኣለዋ።

ካብ ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ቦትስዋና፣ ኬፕ-ቬርዴ፣ ኮንጎ፣ ኢዃቶርያል ጊኒ፣ ጋቦንን ሞሪሸስን ዝላዓለ ዝላ ከምዘመዝገባ፣ ኤርትራ ንኒጀርን ማእከላይ ኣፍሪቃን ጥራሕ ቀዲማ መበል 186 ትርከብ። ኢትዮጵያ ድማ ን14 ሃገራት ጥራሕ በሊጻ ከምተሰርዐት ኣብ’ቲ ሪፖርት ተገሊጹ’ሎ።

ሳሊም ጃሃን፣ ሓላፊ ቢሮ ሰብኣዊ ምዕባለ ግን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክዛረቡ ከለው ‘ኣብ’ቲ ናይ ዓሚ ሪፖርት፣ ኢትዮጵያ መበል 175 ሎሚ ግና መበል 174 ትርከብ። ንውሒ ምእኩል ዕድመ ኢትዮጵያዊያን ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ብ17 ዓመት ወሲኹ’ሎ። እዚ ኣነኣኢስካ ዝራኣይ ምምሕያሽ ኣይኮነን። ነብሰ-ወከፍ ኣታዊ’ውን ብዕጽፊ ወሲኹ' ኢሎም።

ዳይረክተር ፕሮግራም ምዕባለ ሕ/ሃ (UNDP) ሄለን ክላርክ ብወገነን ‘ኢትዮጵያ ታሕተዋይ ዓመታዊ ነብሰ-ወከፍ እቶት ካብ ዘለወን ሃገራት’ውን’ያ ትስራዕ። ነገር ግን ምስ’ቲ ዝነበረትሉ ኩነታት ክነጻጸር ከሎ ግና፣ ዕብየታ ኣዝዩ ዝገርም’ዩ’ ኢለን።

ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ መኽፈቲ’ቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምምሕያሽ ናብራ ዜጋታት ተጸሚዱ ይሰርሕ ኣሎ’ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ብመዐቀኒ ሰብኣዊ ምዕባለ UNDP ተመዚነን
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:47 0:00

XS
SM
MD
LG