ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ኢትዮጵያዊያን 7.8 ሚልዮም ምኳኑ ተገሊጹ


ኮሚሽነር ኮሚሽን ሓደጋ ምትኩ ካሳ
ኮሚሽነር ኮሚሽን ሓደጋ ምትኩ ካሳ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ታሕሳስ 2011 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ኣስታት 8 ሚልዮን ዝኾኑ ኢትዮጵያዊያን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም መንግስቲን መሻርኽቱን ገሊጾም።

ጠለብ ተሓገዝቲ ንምምላእ 1.4 ሚልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከምዘድልይ እውን ተገሊጹ። እዚ መጸዋዕታ ሓገዝ እታ ሃገር ዝተረጋገኣትን ሰላማዊትን ክትኸውን ብመዳይ ፖለቲካ ምስ ዝግበር ጻዕሪ ሓቢሩ ክኸይድ ኣለዎ ክብሉ’ውን ወኪል ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም ኣለው።

ከምቲ ዝሓለፈ ዓመታት ሎሚ ዓመት’ውን ቁጽሪ ተሓገዝቲ ዝተገልጸ ሕቡራት ሃገራትን ኣሜሪካን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳን ዓለምለኸ ትካላትን ካልኦት ወከልቲን ኣብ ዝተረኽብሉ መግለጺ ዝሃቡ ሚሽነር ኮሚሽን ሓደጋ ምትኩ ካሳ፡ ቁጽሪ ተሓገዝቲ ሎሚ ዓመት 7.8 ሚልዮን ምኳኑ ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቁጽሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ኢትዮጵያዊያን 7.8 ሚልዮም ምኳኑ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:20 0:00

XS
SM
MD
LG