ምዕራባዊ ገማግም —
ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ምምራጹ ዘሐጎሶም ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዘለዉ ኣይሁዳውያን ሰፋሮ ንማይክ ሃከቢ ኣብ እስራኤል ኣምባሳደር ኮይኑ ስለዝመደቦ`ውን ሓጎሶም ይገልጹ ኣለው። ምሩጽ ፕረዚደንት ትራምፕ ንምዕራባዊ ገማግም ምስ እስራኤል ኣብ ምጽንባር ክሕግዞም `ውን ተስፋ ይገብሩ። ነቐፍቲ ግን ከምኡ ዓይነት ስጉምቲ ህውከት ዘጋድድ'ዩ ይብሉ።
ክዱሚም ኣብ 1970`ታት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝተሃንጸ ማሕበረሰብ ኣይሁዳዊያን ሰፋሮ `ዩ። ዳኒላ ወይስ ካብ መንጎ ቀዳሞት ሰፋሮ`ያ። ማይ ቡንባ ኣብ ዘይነበሮ ተንዳታት ይነብሩ ከምዝነበሩ ድማ ተዘንትው።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምምራጹ ኣሓጉስዋ`ሎ ንሰፈራታት ምዕራባዊ ገማግም ዘጠቓለለ ምሉእ ልኡላውነት እስራኤል ክቕበል ድማ ተስፋ ትገብር።
ቅጥዒ