ጉጅለ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመተ 2016 ሃገራት ንዝነበረን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ኣብ ዝወጽኦ ዓመታዊ ሪፖርት ኣብ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዝበሎ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ መባእታዊ መሰላት ገዲባ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ዝኸፈተቶ ደም ምፍሳስ ዓፈናን ቀጺላ’ላ ኢሉ’ሎ።
ዜጋታት ኤርትራ ኸአ ድሕሪ 25 ዓመታት ገና ኣብ ትሕቲ ሓደ ካብቶም ናይ ዓለምና ጨቆንቲ ዝኾኑ መንግስታት ይግዛእ’ሎ ኢሉ’ሎ።
ጸብጻብ ሁማን ራይትስ ዎች ኢትዮጵያ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ካብ ትእውጅ ንደሓር ኣብዚ እዋን መባእታዊ መሰላት ብምግዳብ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ዝኸፈተቶ ደም ምፍሳስ ዓፈና ቀጺላትሉ’ላ ኢሉ’ሎ።
ብተወሳኺ እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ብዘፈቀደ ምእሳር ይፈቕድ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ይግድብ ምስ ናይ ወጻኢ አካላት ምርኻብ’ውን ይኽልክል። ኣብዚ ዓመት’ዚ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማዊያን ሰባት ቀቲሉ በኣሰርተታት አሽሓት ዝቑጸሩ ድማ አሲሩ ካብቶም ተአሲሮም ዝነበሩ ዝተፈትሑ ድማ ስቅያት ከምዝተፈጸሞም ተዛሪቦም ኣለው።
ንኤርትራ ብዝምልከት እቲ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ዝጠቐሶም ነጥብታት ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣብ ልዕሊ ኣባላት እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፍጸም ምግሃሳትን ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሰበስልጣን ይዝርዝር።
ከምኡ’ውን መንግስቲ ብዘይካ እቶም ዝኣመነሎም ኣርባዕተ ሃይማኖታት ኣብ ልዕሊኦም’ውን እንተኾነ ምትእትታው ከምዘኻየድን ነጻነት እምነት ምኽልኻሉን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻክር ዝፍጸም ስቃይ ጠቒሱ’ሎ።
ካብቶም ኣብ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ብሰንኪ እምነቶም ኣይንካፈልን ዝበሉ ሰለስተ መንእሰያት ካብ 1994 ዓ.ም ኣትሒዞም ን22 ዓመታት ተአሲሮም ከምዝርኸቡ’ውን እቲ ጸብጻብ ገሊጹ’ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።
ሁማን ራይትስ ዎች ኢትዮጵያ ኤርትራን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።