ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዩማን ራይትስ ዎች ንሕብረት ኣፍሪቃ መብጽዓ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብር ይጽውዕ


ኮሚሽን ኣፍሪቃ ንሰብኣውን ናይ ሰባትን መሰላት ሎማዕንቲ ሶኑይ ናይዚ ዓመት ናይ መወዳእታ ኣኼብኡ ኣብ ዝኸፍተሉን እዋን መብፅዓ ክኣቲ ሕብረት ኣፍሪካ ከተሓሳስቦ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ህይውማን ራይትስ ዎች ኣተሓሳሲቡ።

ህይወማን ራይትስ ዎች ትማሊ ሰንበት ኣብ መግለፂኡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብታ ኣህጉር እናሰፍሕ ይኸይድ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ መሰላትን ዴሞክራስን ቅልውላዋት ሕብረት ኣፍሪካ ብቕልጡ ክፍትሕ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ሓሊፉ ውግእ ኣብ ዝሰፍሐሉን ኣብ ዝሓየለሉን ሕብረት ኣፍሪካ ኣባል ሃገራት ግቡአን ክፍፅማ ድልዉነቱ ከረጋግፅ ኣገዳሲ እዩ’’ይብል እቲ መግለፂ።

XS
SM
MD
LG