ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዩማን ራይትስ ዎች ብሰንሰለታዊ ጎንጺ ኢትዮጵያ ሻቕሎቱ ብምግላጽ ንተሓታትነት ይጽውዕ


ተሓላቒ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ብምኽንያት ሓደ ዓመት ምፍራም ስምምዕ ተጻብኦ ፕሪቶሪያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተበደልቲ ፍትሒ መታን ከንግስ፡ ሕቡራት ሃገራት ጸቕጢ ክገብር ጸዊዑ።

ዝሓለፈ ዓመት ከምዚ ሎሚ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተኸተመ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ናይ ክልተ ዓመት ኲናት መኸተምታ ዝገብረ ምዃኑ ይዝከር። ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ(ኤ.ኤፍ.ፒ) እቲ ናይ ክልተ ዓመታት ኲናት ህይወት ፍርቂ ሚልዮን ዜጋታት ምውሳዱ ይሕብር።

ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ደኣ ይዕረፍ እምበር ናብ ክልል ኣምሓራ ብምግፋሑ ንኻልእ ሰብኣዊ ጥሕሰታትን ቅትለትን ኣቃሊዑ ምህላዉ ዘለዎ ስክፍታ ኣንቢሩ። ምኽትል ዳይረክተር ናይቲ ተሓላቒ ትካል ዝዀነት ላቲሻ ባደር፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ትካላትን ኣብ ዝጽንብልሉ፡ ኣደራዕ ናይቲ ሽግር ተሰኪሙ ዘሎ ግን ኣብቲ ቦታ ግጭት ዘሎ ህዝቢ’ዩ፡” ክትብል ገሊጻቶ።

ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብቲ ኲናት ኢድ ብዘለዎም ኵላቶም ሓይልታት ገበናት ኲናት ተፈጺሙ ድሕሪ ምባሉ፡ “ሕጂ’ውን ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ኩነታት ንዝከታተል ኣሃዱ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዘድሊ ስራሕ ንኸይፍጽም ዕንቅፋት ኰይኑ ኣሎ፡” ክብል ኣቐሚጡ።

እቲ ተሓላቒ ትካል ኣብ መግለጺኡ“ኣብ ክልል ኣምሓራ ድሒሩ ድሕሪ ዝተወልዐ ግጭት፡ መንግስቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ናይ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ኣዋጅ ምሕላፉ’ውን ሰብኣዊ ጥሕሰታት ኣብ ምፍጻም ተራ ይጻወት ኣሎ፡”ይብል ።

እታ ምኽትል ዳይረክተር ከም ዝገለጸቶ ድማ “እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝደገሰ ግጭት፡ ናይ ቀዳማይ ገጽ ኣብ መፈጸምታ ከይበጽሐ ኣብ ዝተሓደሰ ሰንሰለታዊ ጎንጺ ዝመርሕ’ዩ፡” ኢላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG