ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ሶማል ምስ ኣል-ሸባብ ርክብ ኣለዎም ንዝበሉዎም ህፃናት ይብድል ኣሎ ክብል ሂማን ራይትስ ዎች ከሲሱ


ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂማን ራይትስ ዎች ሰበስልጣን መንግስቲ ሶማል ምስ ጥሩፍ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ርክብ ኣለዎም ንዝበሉዎም ህፃናት ይብድል ኣሎ ክብል ከሲሱ።

እቲ ትካል ሎሚ ረቡዕ ኣብዘውፅኦ ፀብፃብ ደቂ ተባዕትዮ ቆልዑ ብዘይሕጊ ይእሰሩ፣ሓሓሊፉ ድማ ብወታደራዊ ቤት ፍርዲ ይፍረዶም ይብል።

ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማል እቶም ህፃናት ናብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ህፁፅ ፈንድ መአረሚ ከሕልፎም እየ ኢሉ’ሎ።

መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ 18 ጥሪ 2018 ዓ.ም 36 ህፃናት ካብ ኣል-ሸባብ ከምዝሓዘ ገሊፁ ነይሩ እዩ።

XS
SM
MD
LG