ኢትዮጵያ መንግስታት ካብ ተፈጥሮኣዊ ፀጋታቶም ዝረኽብዎም ኣታዊታት ብዝሓሸ ንኽሕዝዎ ናይ ዘተባብዕ ቀንዲ ዓለምለኸ ተበግሶ ኣባል ክትኸውን የብላን ኢሉ ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ Human Rights Watch።
እቲ ጉጅለ ሎማዕንቲ ዓርቢ ከምዝገበሎ ኢትዮጵያ ካብ ኣባልነት Extractive Industries Transparency Initiative – EITI ዝተባህለ ትካል ክትእገድ ኣለዋ ኢሉ።
ኣብ Human Rights Watch ላዕለዋይ ክኢላ ንግድን ሰብኣዊ መሰላትን ሊዛ ሚዞል ኢትዮጵያ ንነፃ ድምፅታት እትጭቁን እያ ኢለን።
EITI ካብ ነዳዲ፣ናይ ተፈጥሮ ጋዝን ናይ ዕደና ኢንዱስቱሪታትን ዝርከብ ኣታዊ ናይ ኣተሓሕዛ ግልፅነት ንምጥንኻር ዝተጣየሸ ትካል እዩ።ኣባልነት ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ኦሶሎ ኣብዝካየድ ኣኼባ ክውሰን ትፅቢት ይግብር።
ኢትዮጵያ ኣብ 2010 ኣ/ፈ ኣባል እቲ ጉጅለ ንኽትኸውን ፈቲና ተቐባልነት ኣይረኸበትን።