ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሁይማን ራይትስ ዎች መንግስቲ ኢትዮጵያ ንትካላት ተሓለቕቲ መሰላት ምክልኻሉ ነቒፉ


ሁይማን ራይትስ ዎች ኢትዮጵያ ንሰለስተ ዘይመንግስታዊ ትካላት ተሓለቕቲ መሰላት ኣጊዳ ክብል ይነቅፍ። ኣብታ ሃገር ግጭታት ተጋዲዶም ይቕፅልሉ ኣብ ዘለዉሉ ሕጂ እዋን እዋን ነተን ብናፃ ንጥሕሰት መሰላት ክከታትላ ዝኽእላ ዝነበራ ትካላት “ዓፅያ ኣፀልሚታቶ” ክብል ከሲሱ። ማእከል ምዕባለ መሰላት ዴሞክራሲ(CARD)፡ ማሕበር ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (AHRE)ን ሰብ-ሞያ ሕጊ ንሰብኣዊ መሰላት(LHR) ዝተባህለ ሰለስተ ዘይመንግስታዊ ትካላት ፖለቲካዊ ወገናውነትን ኣርእየን ኣብ ሃገራዊ ረብሓን ማህሰይቲ ኣውሪዶም ብዝብል ከምዝተኣገዳ ሁይማን ራይትስ ዎች ገሊፁ።

ምኽትል ዳይሬክተር ሁይማን ራይትስ ዎች ጨንፈር ኣፍሪቃ ላቲሽያ ባደር ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ኣማስየን ዝሃበኦ መግለፂ “ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብታ ዝትረኽበት ቦታ ክሰርሑ ንዝፍትኑ ጉጅለ ተሓለቕቲ መሰላት ንኸይሰርሑ የፅብብዎ ኣለዉ” ኢለን።

እዚ መንግስቲ ዝወሰዶ ዳሕረዋይ ስጉምቲ ኢትዮጵያ ካብተን ንተግባራት መንግስት ንምንቃፍን ሰብኣዊ መሰላትን ንምድንፋዕ ዘይምጥዕማ ሃገራት ትኸውን ምህላዋ ብምግላፅ “ስኽፍታ ዘለዎም መንግስታት ነቲ ይጋደድ ዘሎ ዓፈና ተዓዘብቲ ጥራሕ ኮይኖም ክቕፅሉ የብሎምን” ኢለን።

ሁይማን ራይትስ ዎች ብተወሳኺ እዞም ካብ ፖለቲካዊ ምትእትታው ገለልተኛ ምዃኑም ኣትሪሮም ዝገልፁ ጉጅለታት መሰላት ኣብ ሕጊ ሚድያ ኢትዮጵያ ንዝቐረበ ምምሕያሻት ዝነቕፍ ደብዳበ ድሕሪ ምፍራሞም እቲ እጘዳ ምስዓቡ ይገልጹ። እቲ ዝተመሓየሸ ሕጊ ስልጣን ሚድያ ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ቁፅፅር ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ንምእታው ዝዓለመ ምኻኑ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣመልኪቱ'ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ 2020-2022 ንዝተኻየደ ኣዕናዊን ኣማኢት ኣሸሓት ሰባት ዝቐተለን ኲናት ብምንቃፎም ንዓለምለኻዊ ዘይመንግስታዊ ትካላት ዝርከብዎ ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ምኽልካሎም ዝዝከር እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG