ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዩማን ራይትስ ዎች፡ “ገበን ኲናት” ከተማ መርኣዊ ብናጻ ኣካል ክጻረ ይጽውዕ


ዓለምለኸ ተሓላቒ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ከተማ መርኣዊ ናይ ክልል ኣምሓራ ብሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ተፈጺሙ ንዝበሎን “ገበናት ኲናት” ኢሉ ዝጸውዖን ፍጻመ ብመርማሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ቅልጡፍ መርመራ ክገበረሉ ጸዊዑ። ኣብቲ ብ29 ጥሪ ኣብ መንጎ ዕጡቕ ጉጅለ ፋኖን ሰራዊት ፈደራልን ድሕሪ ዝተኻየደ ውግእ፡ ድሕሪ ምንስሓብ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ብሰራዊት መንግስቲ ብውሑዱ 45 ሲቪላውያን ዜጋታት ከም ዝተቐትሉ ኣመልኪቱ። ንነበርቲ እቲ ቦታ ብምውካስ እቲ ተሓላቒ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ንሽዱሽተ ሰዓታት ዝኸደ ገዛ-ገዛ እናኸድካ ዝግበር ዝነበረ ሃድንን ጃምላዊ ቅትለትን፡ ሓያሎ ንብረት ሲቪላውያን ምዕናው’ውን ሓቢሩ።

ኲናት ፋኖን ሰራዊት ፈደራልን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝውላዕ ንደሓር እቲ ዝኸፍአ ቅትለት ኢሉ ህዩማን ራይትስ ዎች ዝሰየሞ ተርእዮ፡ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ናጻ ኣካል መጽናዕቲ ክገብር ጸዊዑ። ብተወሳኺ፡ እቲ ጉዳይ እኹል ምጽራይ ክሳብ ዝግበረሉ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ተልእኾ ዓቃብ-ሰላም ከይልእኽ ምሕንጽታ ኣቕሪቡ።

ምኽትል ዳይሬክተር እቲ ትካል ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝዀነት ላቲሻ ባደር፡ ብሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዜጋታት ዝፍጸም ቅትለት “መዓልታዊ” እናዀነ ይመጽእ ኣሎ ብምባል፡ “ብሰንኪ ስእነት ግቡእ ምቍጽጻር ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሰንሰለታዊ ጎንጺን ቅትለትን ተቓሊዑ ኣሎ፡” ኢላ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ለካቲት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝተነብረ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ከም ዘናውሖ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG