ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

HR-128: መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከማልኦ ብኮንግረስ ኣሜሪካ ዝሕተት ዝርዝር ጠለብ ዝሓዘ ውሳነ


ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ልዕልና ሕግን ከምኡ`ውን ኩሉ-ሓቆፍ ደሞክራሲ ዝጠልብ ረቂቕ ውሳነ፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ውረድ-ደይብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ጸዲቑ`ሎ። እቲ ውሳነ ንክጸድቕ ምስ ኣባላት ባይቶ ብውህደት ካብ መንጎ ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን ሓደ ዲያቆን ዮሴፍ ተፈሪ፡ “ ኣብ ዝሓለፈ 3 ወይ 4 ዓመታት ብዝተላዕለ ናይ ህዝቢ ተቓውሞ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፈጸሞ ጉድኣት ናይ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ኣካ ኣትዩ ምሉእ መርመራ ክገብር ክፍቀደሉ ዝሓትት ውሳነ`ዩ “ ይብል።

ኣስገዳዲ ኣይኮነን ማለት ሓይሊ የብሉን ወይ መቆጻጸሪ የብሉን ማለት ኣይኮነን ዝበለ ድያቆን ዮሴፍ፡ “ ህጹጽ ኣዋጅ ዘየልዕሉ እንተኾይኖም፡ መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኢትዮጵያ ንኸይኣቱ ዝኽልክሉ እንተኾይኖም፡ ንተቓምቲ ዕድል ዘይህቡ እንተኾይኖም፡- ከም ሚንስትሪ ወጻእን ኣህጉራዊ ልምዓት ኣመሪካን ዝበሉ ኣካላት ምምሕዳር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎም ፖሊሲ ክግምግሙ ክግደዱ`ዮም” ይብል። “ኮንግረስ ዘየጽደቖ ገንዘብ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክውሃብ ኣይክእልን`ዩ”

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዘስምዖ ምላሽ ፡ ኢትዮጵያ ኣብ መስርሕ ለውጢ ዘላ ሃገር ከም ምዃና መጠን፡ ውሳነ 128 ምሕላፍ ግዚኡ ዝሓለወ ኣይኮነን ኢሉ`ሎ።

ተዓዘብቲ ከም ውሳነ 128 ዝበሉ ብባይቶ ዝሓልፉ ውሳነታት፡ ናይ ፕረሲደንት ፊርማ ዘየድልዮም ቅልጡፋት ናይ መቆጻጸሪ ስልትታት`ዮም ይብሉ ።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG