ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባል ባይቶ ኢትዮጵያ ዶ/ር ደሳለኝ ጫነ ተኣሲሮም


ዶ/ር ደሳለኝ ጫነ
ዶ/ር ደሳለኝ ጫነ

ኣባል ባይቶ ኢትዮጵያ ዶ/ር ደሳለኝ ጫነ ትማሊ ረቡዕ ብሓይልታት ጸጥታ ካብ ገዝኡ ከም ዝተወስደ ሓደ ኣባል ስድራቤቱ ኣፍሊጡ።

ንገዛኢ ፓርቲ ብምምጓት ካብ ዝፍለጡ ሓደ ዝኾነ ዶ/ር ደሳለኝ ጫነ፡ ኣብ ፈደራል ፖሊስ መርመራ ገበን ከም ዝርከብ`ውን ተሓቢሩ`ሎ።

ንብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ(ኣብን) ወኪሉ ኣባል ፓርላማ ዝኾነ ዶ/ር ደሳለኝ፡ ዝተመስረቶ ክሲ እንተሎ ዝፍለጥ ነገር የለን። ኣባላት ጸጥታ ሎሚ ሓሙስ ንዶ/ር ደሳለኝ ናብ ገዝኡ ኣምጺኦም ገዝኡ ድሕሪ ምፍታሽ ናይ ኤለክትሮኒክ ንብረትን ሰነዳትን ሒዞም ናብ እንዳ ፖሊስ መሊሶሞ ኣለዉ።

ጠበቓ ዶ/ር ደሳለኝ ጫኔ፡ ኣቶ ሰለሞን ገዛሀኝ፡ ቅድሚ ሎሚ ነቶም ምስ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብዝተሓሓዝ ንዝተኣስሩ ሰባት ምብጻሕ ከምዝተፈቐደሉ ብምሕባር ጽባሕ ዓርቢ ነቲ ዓሚሉ ከምዝበጽሖ ኣፍሊጡ`ሎ።

ቅድሚ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ኣባል 'ኣብን' ዝኾነ ኣባል ፓርላማ ኣቶ ክርስትያን ታደለ`ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ክልቲኦም ድሕሪ`ቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኣወጀ ህጹጽ እዋን ዝተኣሰሩ`ዮም። ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ዝተሓተተ ፈደራል ፖሊስ፡ “ኣብ ትሕቲ ህጹጽ ኣዋጅ ብዛዕባ ዝተሓዙ ሰባት መረዳእታ ዝህብ ኮማንድ ፖስት ጥራይ እዩ “ ኢሉ`ሎ።

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ገዛኢ ፓርቲ ካብ ዝምጉቱ ውሑዳት ኣባላት ባይቶ ዝኾነ ዶ/ር ደሳለኝ ጫነ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ቤት ምኽሪ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ “ ስልጣኑ ክሓድግን እቲ ባይቶ ክብተንን” ምሕታቱ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG