ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርያድ:  ካብ ተቓወምቲ ሑቲ ዝተተኮሰ ተወንጫፊ ሓደ ሰብ ክቐትል ከሎ ንካልኦት ክልተ ኣቑሲሉ


ትማሊ ሰንበት መጋቢት 25 ኣብ የመን ካብ ዝርከቡን ብኢራን ይድገፉ ምዃኖም ዝግለጸሎም ተቓወምቲ ሑቲ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝወንጨፍዎ ሚሳይል ሓደ ሰብ ክቐትል እንከሎ ንካልኦት ክልተ ድማ ከምዘቑሰለ ተሓቢሩ።

ኣሜሪካ ብመገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝወጽኣቶ መግለጺ: ነቲ መጥቓዕቲ ብትሪ ኮኒናቶ ኣላ። እቲ መግለጺ ብተወሳኺ: ኣሜሪካ ንነብሰ ምክልኻል ስዑድ ዓረብ ከምእትድግፍ ብምሕባር: "ስዑድ ዓረብ ዶባታ ካብ ዝኾነ ተጻብኦ ንምክልኻል ንእትወስዶ መሰል ምክልኻል ትድግፍ" ይብል።

ግዳያት ናይቲ መጥቓዕቲ ተወንጫፊ ግብጻዊውያን ክኾኑ እንከለው: ኣብ ከባቢ መንበሪ ቦታ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣብ ዝኾነ ርያድ ዝቕመጡ ምዃኖም ተረጋጊጹ ኣሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሓይሊ ኣየር ስዑድ ዓረብ፤ ትማሊ ሰንበት ሸውዓተ ተወንጨፍቲ ናብ ከተማ ርያድን ካልኦት ሰለስተ ከተማታትን ዘምርሑ ተወንጨፍቲ ከምዘምከነ ተገሊጹ።

ተቓወምቲ ሑቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዞም ናብ ስዑድ ዓረብ ብፍላይ ድማ ኣብ ርያድ ናብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝቐንዐ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ከካይዱ ጸኒሖም እዮም። መርመርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቶም ሚሳይላት ኣብ ኢራን ከምዝተመስርሑ'ውን ብተወሳኺ ምሕባሮም ይዝከር።

ኢራን ንተቓወምቲ ሑቲ ከምእትድግፍ ዝተኣመነት ትኹንምበር: ኣጽዋር ከምዘየዕጠቐት እያ ትገልጽ።

እዚ ናይ ትማሊ ሰንበት መጥቓዕቲ ሚሳይል ሑቲ፥ ምስ ሳልሳይ ዓመት ምጅማር ብስዑድ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ኣብ የመን ናይ ኣየርን ናይ መሬትን ብምክያድ ንሑቲ ካብ የመን ንምጽራግ ዘካይድዎ ዘለው ወፍሪ ተዛሚዱ ኣሎ።

ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ንመንግስቲ የመን ካብ ስልጣን ኣባሪሮም ናብ ስደት ኣብ ስዑድ ዓረብ ከምዘምርሕ ከምዘገበርዎ ይጥቀስ። ስዑድ ዓረብ ብወገና ኣብ የመን ኣንጻር ዕጡቓት ሑቲ ተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ካብ ብዙሓት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ጉጅለታት ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ ቅልውላው ኣኸቲሉ ዝብል ወቐሳ ይቐርበሉ እዩ።

XS
SM
MD
LG