ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሑቲ፡ ንዜጋታት እንግሊዝን ኣመሪካን ዝዀኑ ሰራሕተኛታት ሕ/ሃገራት ካብታ ሃገር ክወጽኡ ይእዝዙ


ሰንዓ - ፋይል
ሰንዓ - ፋይል

ንሰንዓን ካልእ ዓበይቲ ከተማታት የመንን ዝቆጻጸሩ ተቓለስቲ ሑቲ፡ ኣብ ሰንዓ ንዝርከቡ ዜጋታት ኣመሪካን እንግሊዝን ዝዀኑ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብታ ሃገር ንኽወጽኡ ትእዛዝ ሂቡ።

እቲ ናብ ሓላፊ እቲ ትካል ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ ንዜጋታት እተን ዝተጠቕሳ ክልተ ሃገራት ዝዀኑ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ንምውጻእ ምድላዋት ከጻፍፉ ዝሓትት’ዩ።

መምርሒ ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዕጡቕ ጉጅለ መጥቃዕቲ ንዘካይዳ ዘለዋ ኣመሪካን እንግሊዝን ምዃኑ ሮይተርስ ይጠቅስ።

መንግስቲ ኣመሪካ’ውን ዝሓለፈ ሰሙን ንጉጅለ ሑቲ ኣብ መዝገብ ግብረ-ሽበራ ከም ዘእተዎ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG