ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሑቲ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበላ መራኽብ መጥቃዕቲ ፈጺሙ


ብግሪክ እትውነን መርከብ
ብግሪክ እትውነን መርከብ

ዕጡቓት ሑቲ ግብረ መልሲ ናይቲ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ከተማ ራፋህ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ንብረት ግሪክ ዝኾነት መርከብ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበላ መራኽብ ትማሊ ረቡዕ መጥቃዕቲ ፈጺሞም።

እታ ግሪክ ትውንና መርከብ ሰለስተ ጊዜ ብሚሳይል ቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ከምዝተሃርመት ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ (ሴንትኮም) ኣፍሊጡ ኣሎ። ሴንትኮም እታ መርከብ ጉድኣት ከምዝበጽሓ ጉዕዞኣ ግን ከምዘየቋረጸት ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ሑቲ ያህያ ሳሬ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ መርከብ ግሪክ ምህራማን ጉድኣት ከምዝወረዳን ኣረጋጊጹ። ንሱ ወሲኹ ካልኦት ሓሙሽተ መራኽብ’ውን ከምዝተወቕዓ ሓቢሩ።

ሑቲ ኣብ መግለጺኡ ኣብ ልዕሊ የመን ደብዳብ ትፍጽም ነይራ ንዝበልዋ ድሮን ኣመሪካ ወቂዖም ከምዘውደቑ ሓቢሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG