ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጡቓት ሑቲ ብውሑዱ 9 ሰራሕተኛታት ሕ/ሃገራትን ካልኦትን ኣሲሮም


ዕጡቓት ሑቲ - ፋይል
ዕጡቓት ሑቲ - ፋይል

ብውሑዱ ትሸዓተ የመናዊያን ሰራሕተኛታት ኤጄንስታት ሕቡራት ሃገራት ብዘይተነፀረ ኩነታት ብተዋጋእቲ ሑቲ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ሰበስልጣን እቲ ዞባ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ገሊፆም። ሓደ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት እውን ንጉጅለታት ረድኤት ዝሰርሑ ሰባት ተኣሲሮም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ። እዚ ማእሰርቲ ዝፍፀም ዘሎ ሑቲ ብሰንኪ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ኣብ መላእ መተሓላለፊ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ንዝሓልፋ መራኽብ የጥቅዕ ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ።

ናይዚ ማእሰርቲ ምኽኒያት ንፁር ኣይኹን እምበር እቲ ጉጅለ ግን ንተቓወምቲ ክጭፍልቕ ጸኒሑ እዩ። ሑቲ ብኣመሪካ ካብ ዝምራሕ መጥቓዕትታት ኣየር ብዘጋጠሞ ጉድኣትን ብሰንኪ እቲ 150,000 ሰባት ዝቐተለን ሰብኣዊ ዕንወት ዘውረደን ኲናት ሕድ ሕድ የመን ኣብ ከቢድ ፀቕጢ ይርከብ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG