ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጡቓት ሑቲ ናብ መርከብ ውግእ ኣመሪካ ሚሳይል ተኹሶም


ዕጡቕ ሑቲ - ፋይል
ዕጡቕ ሑቲ - ፋይል

ብኣመሪካ ዝምራሕ ጥምረት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መጥቓዕቲ ድሕሪ ምፍፃሙ ዕጡቓት ሑቲ ናብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረት መርከብ ውግእ ኣመሪካ ሚሳይል ቶኲሶም።

ወታሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ እቲ ንዝተተኮሰ ሚሳይል ብነፋሪት ኵናት ኣመሪካ ተወቒዑ ከምዝወደቐ ሓቢሩ'ሎ።

እዚ ሚሳይል ዕጡቓት ሑቲ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝሓልፋ መራኽብ ንሰሙናት ከጥቅዑ ድሕሪ ምጽናሕ ኣመሪካን መሻርኽታ ሃገራትን ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት መጥቓዕቲ ድሕሪ ምፍፃሞም ዝተተኮሰ ምዃኑ ኣመሪካ ገሊፃ። ሑቲ ንኲናት እስራኤልን ሓማስን ብምቅዋም ንኣህጉራት ኤስያን ማእኸላይ ምብራቕን ንዘራኽብን ብስዊዝ ካናል ኣቢሉ ናብ ኣውሮጳ ዝሓልፋ መራኽብ ፅዕነት ዝመላለሳሉን ኣገዳሲ መሕልፊ መስመር ከጥቅዕ ፀኒሑ። እቲ መጥቓዕትታት ኣብቲ ዞባ ግጭት ከየስፍሖ ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።

ብኣመሪካ ዝምራሕ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተኻየደ ፈላማይ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ 28 ቦታታት ንዝርከቡ ልዕሊ 60 ዒላማታት ብክሩዝ ሚሳይላትን ብነፈርቲ ኵናትን እዩ ተፈፂሙ። ዒላማታት'ቶም መጥቓዕታት መኽዘናት ኣፅዋር፣ ራዳራትን ናይ እዚ ማእኸላትን ይርከቡዎም። ሑቲ ሓሙሽተ ወታሃደራቶም ምሟቶምን ካልኦት ሽዱሽተ ምቑሳሎምን ብምሕባር ዝርዝር በቲ መጥቓዕቲ ዝወረደ ዕንወት ገና ኣፍልጦ ኣይሃቡን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG