ዋሽንግተን —
ስርሓት ኢራን ዝኾነት ሰብ- ኣልቦ ነፋሪት ዕጡቓት ሑቲ የመን ኣብ ቴልኣቪቭ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ንሓደ ሰብ ቀቲላ 10 ካልኦት ኣቑሲላ።
እቲ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ዝርከበሉ ማእከል ቴልኣቪቭ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ፍንጭልጫላት ኣብቲ ከባቢ ተራእዮም።
ሑቲ ነዚ ፈላማይ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ። እዞም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ካብ ዝጅመር ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ናብ እስራኤል ከወንጭፉ ፀኒሖም እዮም ይኹንምበር ስጋብ ሎሚ ዓርቢ ዝነበሩ ኩሎም እስራኤል ከተምክኖም ፀኒሓ እያ።
ዕጡቓት ሑቲ ከምዝብልዎ እዘን ሓደሽቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቶም ንክሊ ስርዓት ምክልካል ኣየር እስራኤል ጥሒሰን ክኣትዋ ዘኸእል ዓቅሚ ከምዘለወን ዘረጋገፅሉ ምዃኑ ይገልፁ።
ምክልኻል እስራኤል ብወገኑ እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ካብ የመን ከምዝተበገሰት ዝኣመነ ኾይኑ ክሊ ኣየር እስራኤል ክትሓልፍ ዝኸኣለት ግን ብዝተፈጥረ ሰብኣዊ ስሕተት ምዃኑ አብሪሁ። ስለዝኾነ ብትኽክል ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ዝፍፅም ዘሎ መን ምዃኑን ክውሰድ ብዛዕባ ዝኽእል ግብረ መልስን ንምልላይ መርመራ የካይዱ ምህላዎምን ገሊፁ።
ቅጥዒ