ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምልሻታት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መርከብ መጥቃዕቲ ምፍጻሞም ገሊጾም


ሚሊሻታት ሑቲ - ፋይል
ሚሊሻታት ሑቲ - ፋይል

ምልሻታት ሑቲ ባንዴራ ኣመሪካ ሒዛ ብወሽመጥ ዓደን ትሓልፍ ንዝነበረት መርከብ ከምዘጥቅዑ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

ማእከል ክትትል ማሪታይም ብሪጣንያ ብመሰረት ዝዘርገሖ መግለጺ ካፕቴን ሓንቲ መርከብ፣ ኣብ ጥቃ ወደብ ኒሽቱም የመን ምስ ቀረበ፣ ተኹሲ ከምዝሰምዐ ገሊጹ።

ሰራሕተኛታትንእታ መርከብን ግና ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዝርከቡ ተፈሊጡ'ሎ።

ትማሊ ሰሉስ ሓላፍነት'ቲ መጥቃዕቲ ዝወሰዱ ሚሊሻታት ሑቲ ሰለስተ መጥቃዕታት ከምዝፈነው ሓቢሮም።

እቶም ምልሻታት ዛጊት ንልዕሊ 70 መራኽብ ኣጥቂዖም፣ ንኣርባዕተ መርከበኛታት ቀቲሎም። ብዘይካ'ዚ፣ ንሓንቲ መርከብ ተቆጻጺሮም ክልተ መራኽብ ድማ ኣጥሒሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG