ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰልፊ ሪፓብሊካውያን ኣፈ-ጉባኤ ንምሕጻይ ዕጹው ርክብ የካይዱ


ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ
ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ

ሰለስተ ሰሙን ድሕሪ ኣፈ-ጉባኤ ኬቨን ማካርቲ ካብ መዝነቱ ምእላዩ፡ ንባይቶ ተወካሎ ህዝቢ ዝዕብልሉ ሰልፊ ሪፓብሊካውያን ነቲ ቦታ ንምምላእን ሕጹይ ንምቕራብን ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሮም ኣብ ዝተናውሐ ዝርርብን እለሻን ኣትዮም ኣለዉ።

ተሪር የማናዊ መርገጺን ድጋፍ ዶናልድ ትራምፕን ዝነበሮም ጂም ጆርዳንን ስቴቨ ስካሊስን ነቲ ቦታ ንምምላእ ኣብ ዝተገብረ ፈተነ ድሕሪ ምፍሻሎም፡ ኣስማት ሓደስቲ ተኽእሎ ዘለዎም ኣባላት ይወጽእ ኣሎ።

ኣብዚ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ዕጹው ዝካየድ ምርቋሕ ሕጹያት፡ ኣብዚ መዝገብ ቀዲሞም ዝጥቀሱ ዘለዉ ኣዝዩ ተሪር የማናዊ መርገጺ ከም ዘለዎ ዝፍለጥ ኬቨን ሀርን ካብ ኦኮልሃማ፣ ቶም ኢመር ካብ ሚኒሶታን፣ ሓድሽ ኣባል ባይቶ ዝዀነ ብሮን ዶናልድስ ካብ ፍሎሪዳን’ዮም። ካልኦት ኣባላት ባይቶ’ውን ኣብቲ ዝርዝር ምህላዎም ኣሶሴይትድ ፕረስ ይገልጽ።

ኣስማት ሕጹያት እናጸበበ ምስ መጽአ፡ ሰልፊ ሪፓብሊካውያን ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ድምጾም ክህቡ ትጽቢት ይግበር። ካብቲ ዝርዝር ዘሎ ኣስማት ቀልጢፉ ምሉእ ድጋፍ ክረክብ ዝኽእል ኣባል ዘይምህላዉ ግን ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ይዛረቡ።

እቲ ጎሊሑ ዝርአ ዘሎ ሽግር ኣብ መንጎ እቶም ኣዝዩ ተሪር የማናዊ መርገጺ ዘለዎምን ማእከላይን ዘለዉ ኣተዓራቒ ሰብ ስለ ዝተሳእነ’ዩ። “ብዘይካ የሱስ ክርስቶስ ነዚ ዘሎ ፍልልይ ከሕብር ዝኽእል ተወዳዳሪ ኣይክርከብን’ዩ፡” ክብል ዳርጋ ካብ ኵላቶም ተወዳደርቲ ናይ ድጋፍ ሕቶ ዝቐርበሉ ዘሎ ዶናልድ ትራምፕ ተዛሪቡ።

ኣፈ-ጉባኤ ከይተመርጸ ባጀት ክጸድቕ ስለ ዘይክእል፡ ብፕረዚደንት ባይደን ዝቐረበ ጠለባት ባጀትን ተኽእሎታት ምዕጻው መንግስቲን ገና ተንጠልጢሎም ዘለዉ ውሑዳት ካብቶም ብዙሓት ኣጀንታት’ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG