ዋሽንግተን —
ኣፈ ጉባኤ ተወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ኬቨን ማካርቲ ካብ መዝነቶም ተላዒሎም።
435 መናብር ዘለዎ ተወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ሎሚ ሰሉስ 3 ጥቅምቲ 2023 ድሕሪ ቀትሪ ን45 ደቓይቕ ብዘካየዶ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ ኣፈ-ጉባኤ ኬቨን ማካርቲ ካብ መዝነቶም ክለዓሉ 216ብ 210 ናይ ደገፍ ድምጺ ወሲኑ'ሎ፤ ዲሞክራት ተወከልቲ ህዝቢ ንምልዓል እቶም ኣፈ ጉባኤ ደጊፎም ኣለው።
ማካርቲ ካብ መዝነቶም ክለዓሉ ሸሞንተ ሪፖብሊካን ተወከልቲ ህዝቢ ብምድጋፎም እቲ ውሳነ ምሕላፉ ተገሊጹ'ሎ።
ሓደ ኣብ መዝነት ዝነበረ ኣፈ-ጉባኤ ብናይ ገዛእ ርእሱ ተወከልቲ ህዝቢ ካብ መዝነቱ ክለዓል ኣብ ታሪኽ'ታ ሃገር ናይ መጀመርያ'ዩ።
ማካርቲ ቕድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ናብ መዝነት ክመጹ ከለው ድሕሪ ተደጋጋሚ ምርጫን ተቓውሞን ምንባሩ ይዝከር።
ኣፈ-ጉባኤ ተወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ መን ከምዝኸውንን ቦትኦም መን ከምዝትክኦን ግን ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ኣፈ-ጉባኤ ኬቨን ማካርቲ ካብ መዝነቶም ክለዓሉ ሓሳብ ዘቕረቡ ተወካሊ ካብ ፍሎሪዳ ማት ጌትዝ'ዮም።
ብመሰረት ሕጊ ኣመሪካ ፕረዚደንት ምስ ዘይህሉን ምክትል ፕረዚደንት ክትክእዎም ዘይክእሉሉ ኩነታት እንተተፈጢሩ ቀጺሎም ነታ ሃገር ዝመርሕ ኣፈ-ጉባኤ ተወከልቲ ህዝቢ'ዩ።
ቅጥዒ