ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ካብ መዝነቶም ተላዒሎም


ኣፈ-ጉባኤ ኬቨን ማካርቲ ካብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝወጽሉ ዝነበረ ዝተወስደ
ኣፈ-ጉባኤ ኬቨን ማካርቲ ካብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝወጽሉ ዝነበረ ዝተወስደ

ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ንመጀመርያ ጊዜ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ኬቨን ማካርቲ ካብ መዝነቶም ተላዒሎም።

እቲ 216 ብ 210 ዝኾነ ድምፂ በቶም ተሪር መርገፂ ዘለወዎም የማናይ ዓቃባዊያን ኣባላት ሪፓብሊካዊያን ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ድሕሪ ምግዳዶም እቲ ቤት ምኽሪን መሪሕነት ሪፓብሊካንን ኣብ ሕንፍሽፍሽ ይርከብ።

ብተደጋጋሚ ፈፂሞም ተስፋ ከምዘይቆርፁ ይዛረቡ ዝነበሩ ማካርቲ ፖለቲካዊ መስመሮም ኣብቂዑ ኣሎ።

ንሶም ካብ ሓላፍነቶም ንክባረሩ ዝሃንደሱ የማናዊያን ሪፓብሊካዊያን ኮኑ እቶም ዴሞክራት ንምይይጥ ድልዋት ኣይመስሉን።

ማካርቲ ትማሊ ሰሉስ ንኣፈ-ጉባኤነት ከምዘይወዳደሩ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ተዛሪቦምዎም ኣለው።

ማካርቲ ትማሊ ኣብ ካፒቶል ሂል ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ"ሎሚ ድምፂ ስኢነ ክኸውን እኽእል እየ እንተኾነ ግን ካብዚ ሓላፍነት ክወፅእ ከለኹ ብምግልጋለይ ዕደለኛ እየ’’ ኢሎም ። ንሶም ንምውሳኽ ሕጂ እውን እንተኾነ "ሓንቲ'ኳ ኣይምቐየርኩን’’ኢሎም።

ቀንዲ መወዳደርቲ ማካርቲ ዝኾኑ ካብ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ዝተወከሉ ሪፓብሊካዊ ማት ጌትስ ነቲ ንፁር ዘይኮነ ናይ ምብራር ሕቶ ብምብጋስ ድሕሪ ቀትሪ ድምፂ ክወሃብ ፀዊዖም።

ማካርቲ ደገፍ ዝበዝሓ ሪፓብሊካዊያን እንተለዎ'ውን ኣብ ጥሪ ከይምረፁ ዝተቓወሙ ተሪር መርገፂ ዘለዎም ሸሞንተ ኣባላት ክወፁ ኣገዲዶምዎም ኣለው።

ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ላዕለዋይ መሻርኽቲ ማካርቲ ዝኾኑ ሪፓብሊካን ፓትሪክ ማክሀነሪ ብመሰረት ሕጊ ናይቲ ቤት ምኽሪ ሓድሽ ኣፈ-ጉባኤ ክሳብ ዝምረፅ ጊዚያዊ ኣፈ-ጉባኤ ኮይኖም ኣለው።

እቲ ናይ ምውራድ ክትዕ ኣብ መንጎ ሪፓብሊካን እናተኻየደ ከሎ ዝተዛረቡ ካብ ክፍለ ግዝኣት ኦክላሆማ ዝተወከሉ ሪፓብሊካዊ ኣባል ቤት ምኽሪ ቶም ኮል "ዘሕዝን ዕለት እዩ’’ ክብሉ ብምፅዋዕ ነቲ ብሪፓብሊካን ዝዕበለል ቤት ምኽሪ "ናብ ሕንፍሽፍሽ’’ ኣይተእትውዎ ክብሉ ምሕፅንታ ኣቕሪቦም ነይሮም።

ካብ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ዝመፁ ማካርቲ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ክብሉ ምስ ዴሞክራት ንምስምማዕ ከምዘይደልዩ ገሊፆም ኣለው። መራሒ ዲሞክራት ሃኪም ጀፍራይስ ንመሳርሕቶም ኣብ ዝልኣኹዎ ደብዳበ ምስ ሪፓብሊካዊያን ንምስራሕ ድልየት ከምዘለዎም ብምግላፅ ማካርቲ ንምድሓን ግን ድምፂ ንምሃብ ድልዊ ከምዘይኮኑ ገሊፆም።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሪን ዢን ፒየረ፡ ፕረዚደንት ባይደን "እቲ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ብቕልጡፍ ኣፈ-ጉባኤ ክመርፅ ተስፋ ኣለዎም’’ ክትብል ገሊፃ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG