ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እቶም ካብ ዓዲ ዝወፁ ዘለው መንእሰያት ካብቲ ሓዲጎሞ ዝወፁ ዝኸፍአ ኩነታት ከም ዘጋጥሞም ዝፈልጡ ኣይመስለንን ይብሉ ዶ/ር ጋይም ክብረአብ


ኣብ ጉዳያት ስደተኛታት ኣፍሪቃ ዝነጣጠፉን ብርክት ዝበለ መፃሕፍቲ'ውን ብዛዕብኡ ዝፀሓፍ ዶክተር ጋይም ክብረአብ መንእሰያት ብዛዕባ'ቲ ምስ ወፁ ኣብ መንገዲ ኸጋጥሞም ዝኽእል መከራን ጸበባን ክፈልጡ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ሎንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝነብሩ ዶክተር ጋይም ክብረኣብ ነዚ ዝበሉ ብዛዕባ'ቶም ኣብ በረኻ ሲና ኣብ ኢድ ዘይሕጋውያን አስገርቲ ዝሳቀዩ ዘለውን ካብ ሃገሮም ወፂኦም ፈቀድኡ ዝጠፍኡ ዘለው መንእሰያትን ብዝምልከት ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ሓፂር ቃለ-መጠይቅ'ዩ።

ዶክተር ጋይም ክብረአብ ብተወሳኺ እቶም መንእሰያት ካብ ኤርትራ ንውፃእ'ምበር ካብዚ ዝኸፍእ የለን'ዮም ዝብሉ ዘለው ግን ሓበሬታ ስለዘይብሎም'ዮም እምበር ካብኡ ኣዝዩ ከውዳደር ብዘይኽእል ፀበባን መከራን'ዮም ዘጋጥሞም ኢሎም።

ግን ሓበሬታ ስለዘየለ ክኸውን ይኽእል ወይከአ ዓሻ ተስፋ ብምግባር'ውን ኣብ ሓደጋ ይአትው'ለው ዝበሉ ዶክተር ጋይም እቲ ኣዝዩ ናይ ሞራል ሕቶ ብቀዳምነት ተሓታቲ እተን መንግስታት ናይቶም ዜጋታት'የን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG