ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበር ኣፍረይቲ ዕንባባ ክልል ኣምሓራ ኣብ ከቢድ ፀገም ምውዳቑ ይገልፅ


ማሕበር ኣፍረይቲ ዕንባባ ክልል ኢትዮጵያ
ማሕበር ኣፍረይቲ ዕንባባ ክልል ኢትዮጵያ

ብሰንኪ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ኲናት፡ ዕንወት ዘጋጠሞም ሕርሻታት ዕንባባ፡ ዳግም ናብ ስራሕ ንኽኣትዉ መንግስቲ ድጋፍ ክገብርን ናይ ደሕንነት ሓለዋ ክህብን ከምዝሓተተ ማሕበር ኣፍረይትን ለኣኽትን ሆርቲካልቸር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ዋና ዳይሬክተር እቲ ማሕበር ኣቶ ቴዎድሮስ ዘውዴ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ ብሰንኪ’ቲ ኲናት፡ ኣብ ዙርያ ከተማ ባህርዳር ዝርከቡ ሓሙሽተ ሕርሻታት ዕንባባ ከቢድ ዕንወት ከም ዘጋጠሞም ሓቢሮም። በዚ ድማ ሰለስተ ሽሕ ሰራሕተኛታቶም ከም ዘፋነዉ ኣመልኪቶም። ትሕተ ቅርፂ እቶም ሕርሻታት ብምዕናዉን ንብረትን’ውን ብምብታትኑንን ናብ ንቡር ስራሖም ንምምላስ ናይ መንግስቲ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ኣቶ ቴዎድሮስ ገሊፆም። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝተሓተተ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኢትዮጵያ፣ እቲ በፂሑ ዝተባህለ ዕንወት ክንደየናይ ከምዝኾነ ሓደ ጉጅለ ኣጣይሹ መፅናዕቲ ከምዝገበረን፣ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ንሕቶ እቶም ትካላት ሕርሻ መልሲ ከምዝህብን ኣፍሊጡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG