ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብዚ ዓመት'ዚ ናብ የመን ካብ ዝአተው ስደተኛታት'ቶም ዝበዝሑ ኢትዮጵያውያን'ዮም ተባሂሉ


መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ዝኾኑ ዝለዓለ ቁፅሪ ዘለዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብዚ ዓመት'ዚ የመን አትዮም።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ከም ዘፍለጦ ብቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን አቢሎም ናብ የመን ሰጊሮም ኢሉ'ሎ።

መብዛሕትኦም የመን ዝአትዉ ዝነበሩ ስደተኛታት ሶማልውያን'ዮም ኔሮም። ኣብ 2009 ዓ ም ግን ክልወጥ ጀሚሩ፣ ሎሚ ናብ የመን ካብ ዝአተው ኣርባዕተ ሰባት እቶም ሰለስተ ኢትዮጵያውያን'ዮም። ካብ ሃገሮም ዝስደዱ ብሰንኪ ኢኮኖሚ ምኻኖም እቶም ኢትዮጵያውያን ይገልፁ።

ሙሉእ ፀብፃብ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG