ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሳዕቤን ደርቂ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተቖፃፂርናዮ ይብል ሕ/መ


ቁፅሪ ሓገዝ ዘድልዮም'ውን ነክዩ'ሎ

ሶማልያ ምኻና ዝገለፁ ኣብ ሶማልያ ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕ/መ ማርክ ባውደን፣ኣድማሳዊ ሓገዝ ለውጢ ኣርኪቡ‘ዩ ኢሎም።

“ዘበን ደርቂን ጥፍኣትን ክንቆፃፀር ኪኢልና ኢና።ኣብ ሓምለ ጥምየት ኣብ ሶማልያ ዓሲሉ‘ሎ ክንብል ከለና፣ሸሞንተ ክፍለ-ሃገራት ክጥቃዓ‘የን ዝብል ገምጋም ነይሩ።ፅላሎት ሞት ዝዓረፎም ሰባት ድማ ካብ 750 ሽሕ ናብ 250 ሽሕ ኣውሪድናዮ ኢና” ኢሎም ንሶም።

ሞት ኣደታትን ህፃናትን ኣዝዩ ከምዝነከየ ዝገለፁ ሚስተር ባውደን፣ሎሚ እውን 4 ሚልዮን ሰባት ተፀበይቲ ረድኤት‘ዮም ይብሉ።

በቲ ድርቂ ዝተጠቅዑ ከባቢታት ሶማልያ፣ምብራቅ ኢትዮዽያን ሰሜን ምብራቅ ኬንያን፣ኣብ መስከረምን ጥቅምትን ዝተወሰነ ማይ ስለዝወቅዐ፣ ሓረስቶት እኽሊ ንክዘርኡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ይፅዕር ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ሶማልያ ኣስታት ስሳ ሚእታዊ ግዳያት ደርቂ ኣብ‘ቲ ኣል-ሸባብ ዝቆፃፀሮ ከባቢ ከምዝርከቡ ዝገለፀ እቲ ሪፖርት፣መተሓላለፊ መንገዲን ፖለቲካዊ ቅሩብነትን ቀንዲ ማሕለኻታት ኮይኖም‘ዮም ፀኒሖም ይብል።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ናብ ሓደ ነጥቢ ሓደ ሚልዮን ሶማልያውያን ይቅርቦ ዝነበረ ሓገዝ ዝሓለፈ ሰሙን ኣቋሪፅዎ‘ሎ።ምኽንያት እቲ ማሕበር ኣብ ማእከላይን ደቡብ ሶማልያን ሓገዝ ንከይልግስ ብኣል-ሸባብ ስለዝተከልከለ።

ባዓል-ስልጣን ሕ/መ ማርክ ባውደን፣ውሳነ ኣል-ሸባብ ጊዚያዊ‘ዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።

XS
SM
MD
LG