ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ 2006 ኣ/ፈ ጀሚሩ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ነበርቲ ቀርኒ ኣፍሪካ ንወሽመጥ ባሕሪ ዓደን ምስጋሮም ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ


ካብ 2006 ኣ/ፈ ጀሚሩ ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ዝተሰደዱ ብኣማእቲ ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ብወሽመጥ ባሕሪ ዓደን ብምስጋር ንኣዚዩ ዝኸፍአ ሓደጋ ተሳጢሖም ኣብ የመን ምብፅሖም ወሃቢ ቃል ቤት ፅሕፈት ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጦም።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት/UNHCR/ኣብ ዝሓለፍ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ዕላዊ ከምዝገበሮ ኣብዚ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራሕ ዝበዝሑ ኢትዮጵያዊያን ዝርከቡዎም 30 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ የመን ምእታዎም ገሊፁ’ሎ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ቁፅሪ ናይ ዝስደዱ ሰባት ንምፍላጥ ክንሰርሕ ፀኒሕና ካብ 2006 ጀሚሩ ብድምር ዳርጋ ፍርቂ ሚሊዮን ሰባት ካብ ቀርኒ ኣፍሪካ ተጓዕዞም ኣለው ምስበሉ እቶም ወሃቢ ቃል ኣድሪያን ኤድዋርድስ ‘’እቲ መንገዲ ብጃልባ ዝፍፀም ብምዃኑ ኣዝዩ ሓደገኛን እዩ።ቁፅሪ ይስደዱ ናይ ዘለው ሰባት እውም ኣዝዩ ይውስኽ እዩ ዘሎ።’’

እቶም ስደተኛታት ዝስደዱሉ ምኽንያት ኣብ ሃገሮም ብዘሎ ፀገምን ብቁጠባዊ ምኽንያታትን ምዃኖም እቶም ወሃቢ ቃል ሓቢሮም።

ሰባት ኣዙዩ ሓደገኛ ብዝኾነ ኣገባብ ብጀልባ ብምጉዓዝ ንዓርሶም ንዘይሕጋዊያንን ገበነኛታትን ኣስገርቲ ሰባት ኣሕሊፎም ይህቡ ኣለው ዝበሉ ኤድዋርድስ ኣብ ገሊኡ ድማ ገና ናይ ማይ ጉዕዝኦም ከይወድኡ ኣብ ወሰን ማይ ከምዝድርበዩን ህይወት ከምዝጠፍአን ሓቢሮም።ሰባት ግዳያት ግፍዒ ይኾኑ ምህላዎም ከምዘሻቕሎምን ንምሕጋዝ እውን ኣፀጋሚ ይኸውን ከምዘሎን እቶም ወሃቢ ቃል ገሊፆም።
XS
SM
MD
LG