ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብድርቂ ኣብዝተጠቕዐ ቀርኒ ኣፍሪካ ትፅቢት ዝግበረሉ ዝናብ ካሊእ ሽግር ከየስዕብ ስግኣት ኣሎ


ዝናብ ክወቅዕ ምስጀመረ ብዙሓት ህፃናት ንኸይሞቱ ስግኣት ኣለና

ክኢላታት ሜትሮሎጂ ብድርቂ ኣብዝተጠቕዑ ከባቢታት ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ መደበኛ ንላዕሊ ማይ ክወቅዕ እዩ ኢሎም ትፅቢት እንተገበሩ’ውን እዚ ነቶም ተመዛበልቲ ፅቡቕ ዜና ዘይክኸውን ይኽእል እዩ ይብሉ።

ትካል ሜትሮሎጂ ዓለም ኣብቶም ብኣዝዩ ሕሱም ድርቂ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ደቡባዊ ሱማሊያን ኬንያን ካብ መደበኛ ክሳብ ካብ መደበኛ ንላዕሊ መጠን ዘለዎ ማይ ከምዝወቅዕ ትፅቢት ይገብር።

እዚ ንኽልተ ተኸታተልቲ እዋናት ብሕፅረት ዝናብ ዘራእቶምን እንስስኦምን ንዝሰኣናኡ ሓረስቶት ሰናይ ዜና እዩ።

ትካላት ረድኤት ግን እቲ ዝናብ ንቶም ዝተፈናቐሉ ተወሳኺ መከራ ከስዕበሎም እዩ ክብሉ ስግኣቶም ይገልፁ።

ኣስትሪድ ሰሂል ኣብ ሱማሊያን ኣብ ኬንያ ኣብዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዳዳብን ንዝሰርሕ ንናይ ናይ ነርወይ ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ፖለቲካዊ ኣማኻሪ እዮም።

ንሶም ኣብ ዝቕፅል ፈላማይ ናይ ዝናብ ማዕልታትን ሰሙናትን ኣዚዮም ከምዝተሻቐሉን እቲ ምኽንያቱ ድማ ሕማም ናይ ምስፍሕፋሕ ሓደጋ ዝለዓለ ስለዝኾነ እዩ ይብሉ።ብምቕፃል ከምዚ ይብሉ’’ብጉድለት ኣመጋግባ ኣዝዮም ዝተሃሰዩ ህፃናት ንኮለራን ተቕማጥን ኣዝዮም ዝተቓልዑ ከምዝኾኑ’ውን ንርዳእ።ስለዝኾነ ድማ ዝናብ ክወቅዕ ምስጀመረ ብዙሓት ህፃናት ንኸይሞቱ ስግኣት ኣለና።’’

ኣብ ናይሮቢ ዝመደብሩ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት /UNHCR/ ወሃቢ ቃል ዝኾኑ ኣንዲ ኒድሃም ሰራሕተኛታት ረድኤት ቅድሚ 20 ዓመት ካብዝነበረ ጥምየት ዝተምሃርዎ ነገር እንተሃለወ እቲ ኩነት ሓደገኛ ምዃኑ እዩ ይብሉ።

/UNHCR/ ኣብ ውሽጢ ሱማሊያ ንዝተፈናቐሉ ሰባት ህፁፅ ሓገዝ ንምቕራብ ፃዕሩ ኣሐይሉ ኣሎ።ኒድሃም ከምዝበልዎ እቲ ትካል ድሮ ን200 ሽሕ ሰባት ናይ ፕላስቲክ ምንፃፍ፡ኮቦርታ፡ናይ ምግቢ መብሰሊ ናውትን ሳሙናን የቕርብ ኣሎ።

ኣብዳዳብ መዕቖቢ ጣቢያ ሃግዴራ ዝነብር ሓሳን በሽር ዝናብ በቢ ዓመቱ ብዙሓት ሽግራት ከምዘብፅሕ ይገልፅ።

እቲ ዝናብ ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ክጅምር ትፅቢት ይግበር።ኪላታት ሕቡራት መንግስታት ቀርኒ ኣፍሪካ ካብዘጋጠሞ ድርቂ መሊኡ ንኽሓዊ እንተወሓደ ክልተ ምሉእ ዘይጉዱል ናይ ማይ እዋናት የድሊዮ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG