ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ብዘይ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድርቂ ኣይምሃለወን ይብል


ፋይል
ፋይል

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብድርቂ ዝተጠቕዑ 4.35 ሚሊዮን ሰባት ህጹጽ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ። 43,000 ዝግመቱ ሶማልያዊያን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሞይቶም። ሎሚ ሓሙስ ዝወፀ ሓድሽ መጽናዕቲ ግን ብዘይ ለውጢ ኩነታት ኣየር እዚ ኹሉ ኣይምኾነን ክብል ምፍላጡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተረስ ይሕብር።

ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማልን ካብ ጥቅምቲ 2020 ኣትሒዘን ንተኸታታሊ ሓሙሽተ ወቕቲ ዝናብ ኣይረኸባን። ጉጅለታት ረድኤት ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ደርቂ ክብላ ነቲ ኩነታት ይገልጻ ኣለዋ። ድሕሪ እቲ ድርቂ ዘሎ ምኽኒያት ዝተሓላለኸ እንተኾነ እውን ሓደ ጉጅለ ዓለምለኸ ተመራመርቲ ካብ ወርልድ ዌዘር ኣትሪቡሽን(World Weather Attribution) ምስ ዝተባህለ ጉጅለ ብምዃን ኣብ ዘውጽኦ መጽናዕቲ ናብ ህዋ ዝወጽእ ዝተቓፀለ ጋዝ ብ100 ጊዜ ምውሳኹ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣብ ክፍሊ ሜትሮሎጂ ኬንያ ተመራማሪት ኩነታት ኣየርን ግደ ለውጢ ኩነታት ኣየር ብዝምልከት ምስ ወርልድ ዌዘር ኣትሪቡሽን እትሰርሕን ጆይስ ኪሙታይ "ለውጢ ኩነታት ኣየር ነዚ ደርቂ ፍሉይ ገይሩዎ’’ ኢላ። ንሳን ጉጅልኣን ብ1.2 ድግሪ ሰንቲግድ ዝቖረረት ዓለም ትሑት ዝናብን ምሕፋፍን ተሓዋዊሱ ናብ ደርቂ ከምርሕ ኣይኽእልን ዝብል ውጽኢት መጽናዕቲ ምርካቦም ትገልጽ።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ደርቂ ዘለዎ ኣበርክቶ ብልክዕ ንምፍላጥ ይፅገሙ እዮም።

እቲ ናይ ወርልድ ዌዘር ኣትሪቡሽን ናይ ኮምፒተር ሞዴላትን ክትትላት ኩነታት ኣየርን ብምጥቃም ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነዊሕ ዝናብ ክረክብ ይገብር እዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ በፂሖም እዮም።

ዳርጋ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሐ ደርቂ ኣብ ውቅያኖስ ምስ ዝተፈጠረ 'ላ ኒና' ተባሂሉ ምስ ዝፅዋዕ ፍጻመ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓፂር ናይ ዝናብ እዋን ክህልው ገይሩ ኣሎ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ካሊፎርኒያ ክኢላ ለውጢ ኩነታት ኣየር ክሪስ ፋንክ "ከቢድ ደርቂ ናይ ምግጣም ዕድል ብዕፅፊ እንተወሲኹ ነቲ ዞባ ኣዕናዊ ስንባደ ይፈጥረሉ’’ ኢሉ።

ጆይስ ኩሙታይ "መንቀሊ እዚ ደርቂ ብቀንዲ ብዝለዓለ ሙቐት ምህፋፍ ስለዝውስኽ እዩ’’ ትብል ።

ንሳ ቅድም ክብል ንሻድሻይ እዋን ዝናብ ኣይህሉን ዝብል ትንበያ እንተነበረ እውን እቲ ዞባ ዝተወሰነ ዝናብ ይርከብ ከምዘሎ ወሲኻ ሓቢራ።

ኪሙታይ ብምውሳኽ ሓረስቶትን እንስሳት ብምርባሕ ዝናበሩ ካብቲ ጉድኣት ክድሕኑ ብዙሕ ዝናብ ዘድልዮም እንተኾኑ እውን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ዞባ ዝናብ ክወቅዕ ምርኣይና ብሓቂ ኣወንታዊ እዩ ኢላ።

XS
SM
MD
LG