ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቀርኒ አፍሪቃ ብሰንኪ ፅንኩር ደርቂ ቁፅሪ ንጥምየት ዝተቃልዑ ሰባት ይውስኽ'ሎ


United Nations has said, July 12, 2011
United Nations has said, July 12, 2011

ናይ ሕቡራት መንግስታት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ቀርኒ አፍሪቃ ንዝርከቡ ኣዝዮም ተአፈፍቲ ግዳያት ደርቂ ንምሕጋዝ ፃዕርታቱ አሐይሉ'ሎ።

ዳይረክተር'ቲ ትካል ሕቡራት መንግስታት ዦሰት ሸረን እቲ ትካል ኣብ ቀርኒ አፍሪቃ ብብርክት ዝበለ ደርቂ ንዝጠመዩ ሚልዮናት ሰባት ምግቢ ኣብ ምቅራቡ ከም ዘሎ ገሊፀን።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ጁቡቲን ኡጋንዳን አስታት 6-ሚልዮን ሰባት ይምግብ ከም ዘሎ ዝገለፀ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም እቲ ቁፅሪ ኣብ ዝቅፅላ አዋርሕ ናብ 10-ሚልዮን ክብ ክብል ከም ዝኽእል'ውን አጠንቂቁ'ሎ።

እዚ ከምዚሉ'ኸሎ ናብ ደቡብ ምብራቅ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ዝአትው ስደተኛታት ሶማል ኣብ መወዳእታ'ዚ ዓመት ብዕፅፊ ክውስኽ'ዩ ክብሉ ሓደ ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን አሜሪካ አፍሊጦም።

ኣብ ቤት-ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ አሜሪካ ምኽትል ሓጋዚ ፀሓፊ ቤት-ፅሕፈት ስነ-ህዝቢን ስደተኛታትን ዶ/ር ሩቡን ብርጌት ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ አሜሪካ አምባሳደር ዶናልድ ቡዝን ምኽትል አመሓዳሪ ዓለም-ለኸ ትካል ረድኤት አሜሪካ ዶናልድ ስታይንበርግ ብምኻን አብ አዲስ አበባ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዶሎ አዶ ናብ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ዝፅግዑ ሶማልያውያን ስደተኛታት ከም ዘለውን እቲ ዋሕዚ ስደተኛታት በዚ ኣንተደቀፂሉ ኣብ መወዳእታ'ዚ ዓመት እቲ ቁፅሪ ብዕፅፊ ክውስኽ'ዩ ኢሎም።

ኣስዒቦም'ውን " ክነግረኩም ዝኽእሎ ነገር ምስቶም ስደተኛታትን ደቆን ኣብ ሕቁፍአን ኸለው ዝሞትወን አዴታት ብምዝርራብ እቲ ኩነታት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምኻኑ'ዩ " ኢሎም።

ምኽትል አመሓዳሪ ዓለም-ለኸ ትካል ረድኤት ኣሜሪካ ዶናልድ ስታይንበርግ ብወገኖም " ኣብ ኬንያ 3.5 ሚሊዮን ህዝቢ ንዝገደደ ሕፅረት ምግቢ ተቃሊዑ'ሎ። ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ካብ ሎሚ ጀሚሩ ብግልፂ ዝተነገረ ሓድሽ ቁፅሪ 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ንተመሳሳሊ ሓደጋ ተቃሊዑ'ሎ። ኣብ ሶማል 2.9 ሚልዮን ኣብ ጁቡቲ 120-ሽሕ ህዝቢ ንጥምየት ተቃሊዑ'ሎ" ኢሎም።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዶሎ ኦዶ ካብ ዝርከቡ ዓሰርተታት አሽሓት ሸውዓተ ቆልዑ ብጥምየት በብመዓልቱ ከም ዝሞቱ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር መስኪሮም'ለው።

XS
SM
MD
LG