ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

’ደቀይ’ውን እንተረኺብና ይበልዑ ብዙሕ ግዜ ግን ፆሞም እዮም ዝሓድሩ’’ሓንቲ ካብ ግዳያት ድርቂ


ኣብ ዞባ ቦረና ሓሙሽተ ወረዳታት እየን ብዝለዓለ ሕፅረት ምግብን ብድርቂን ዝተጠቕዓ።እተን ወረዳታት ዲሎ፡ድሬ፡ምዮ፡ሞያለን ዳስን እየን።

ሓሙሽተ ወረዳታት ዞባ ቦረና ብድርቂ ኣዐሪየን ዝተጠቕዓ ወረዳታ እየን።መሳርሕትና ሄኖክ ሰማእግዛብሄር ካብቲ ከባቢ ዝለኣኾ ሪፖርት በቲ ድርቂ ኣዴታትን ህፃውንት ከምኡ’ውን እንስሳት ኣዝዮም ከምዝተወፅዑ ይገልፅ።

ሰበኽ ሳግምን ሓረስቶትን ብድርቂ ክጥቅዑ ከለው ዝበልዑዎ፣ ዘፍረዩዎን ክስእኑ ከለው፡ ዘራብሕዎም እንስሳትን ክሞቱ ከለው፣ዝበለፀ ግዳይ እቲ ደርቂ ግና ኣዴታትን ህፃውንትን’ዮም።

ኣብ ቦረና ኣዴታት ኣብ እዋን ድርቂ ብፍላይ ድማ ንደቀን ምግቢ ኣብ ምቕራብን ካብኡ ሓሊፈን ናብዝኸፍአ ናይ ምግቢ ሕፅረት ንኸይኣትዋን ዝገብርኦ ንዘሎ ፃዕሪ ተዓዚበ ኣለኹ ይብል ሄኖክ ሰማግዚሔር።

33 ዓመት ዝዕድሚኣ ፈሊጠ ጃቴኔ ብሓፈሽኡ ን18 ሰባት ትምግብ ኣላ።ዝበዝሑ ከብቶምን፡ጤለ-በጊዕን ሞይቶሞም እዮም።ዝተረፉ ድማ ስለዝዓበራ ፃባ ኣይሕለባን።ኣብዚ ኩነታት እዚ ኣዴታት ንቖልዑተን ዝምግበኦም ስለዘይረኸባ ቆልዑት ምብካይ ጀሚሮም ኣለው።ብምስዓብ ድማ ’’ከብቲ ሕሱራት እየን።ዝረኸበ ይሸይጥ።ብ500 ይኹን 600 ቕርሺ ይሽየጡ እዮም።እንተረኺብና ምሸላባሕሪ ንሽምት።እንተስኢና ግን መሊስና ፆምና ኢና ንሓድር።ደቀይ’ውን እንተረኺብና ይበልዑ ብዙሕ ግዜ ግን ፆሞም እዮም ዝሓድሩ።’’ትብል።

ኣብ ዞባ ቦረና ሓሙሽተ ወረዳታት እየን ብዝለዓለ ሕፅረት ምግብን ብድርቂን ዝተጠቕዓ።እተን ወረዳታት ዲሎ፡ድሬ፡ምዮ፡ሞያለን ዳስን እየን።ብኻልኣይ ብርኪ ዝተጠቕዑ ተባሂለን ዝተቐመጣ’ውን ኣለዋ።ኣሬሮ፡ተልተሌን ያቤሎን እየን።

ወረዳ ድሬ ብድርቂ ኣዐሪዮም ካብዝተጠቕዑ ከባቢታት ሓደ እንትኾነ’ውን ኣብ ጥቕኡ ካብዝርከብ ያቤሎ ኣዐሪዩ ዝተደረቐ እዩ።ኣብ’ቲ ከባቢ ዘሎ ተኽልን ሳዕርን ሙሉኡ ብሙሉእ ዝነቐፀ እዩ።ናብ ሰማይ ቁሊሕ እንተበልካ’ውን ደበና ኣይርአይን።

XS
SM
MD
LG