ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቀርኒ አፍሪቃ ብሰንኪ ደርቂ ንዝተፈናቀሉ አማእት አሽሓት ማይን ምግብን ንምቅራብ ዝካየድ ዘሎ ስራሕ


አብ ቀርኒ አፍሪቃ ብጠንቂ ደርቂ ካብ ከባቢኦም ንዝተመዛበሉ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ሓገዝ ማይን ምግብን ንምቅራብ ትካላት ረድኤት ይሰርሑ'ለው።

ሓደ ካብቲ እቶም ስደተኛታት ዝርከብሉ መዕቆቢ ስደተኛታት ኣብ ኬንያ ዝርከብ ዳዳብ መዕቆቢ ስደተኛታት'ዩ።

አቶ ቴድሮስ ሙሉጌታ ኣብ ዳዳብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝሰርሕ ኢትዮጵያዊ'ዩ። አቶ ቴድሮስ ብዛዕባቲ ኣብ ዳዳብ ዘሎ ኩነታት ክገልፅ ከሎ፡

"ኣብ ዳዳብ ሰለስተ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ዝፀንሑ መዕቆቢ ስደተኛታት ኣለው።ልዕሊ ፬ ሚእቲ ሽሕ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ኬንያ ዝመፁ ስደተኛታት ኣለው።ብሕልፊ ካብ መጋቢትን ሚያዝያን ንዳሓር ኣብ ዘሎ ጊዜ፣ብጠንቂ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተኸሰተ ደርቂን ኣል-ሸባብ ዝፈጠሮ ቅልውላውን ኣዝዮም ብዙሓት ስደተኛታት ሕድ-ሕድ መዓልቲ ካብ ሽሕ ክሳብ ሽሕን ፭ ሚእቲን ሰባት ናብ‘ቲ ማእከል ስደተኛታት ይኣትው‘ለው" ኢሉ።

ብተወሳኺ ኣብ‘ቶም ሰለስተ ካምፕታት ፅቅጥቅጥን ሕፅረት ኣገልግሎትን ኣሎ ይብል ኣቶ ቴድሮስ ሙሉጌታ።

እቶም ስደተኛታት ንመዓልታት ብእግሮም ተጓዒዞም ኣብ ዳዳብ ስለዝበፅሑ ትካላት ረድኤት እንታይ ዓይነት ሓገዝ ይገብሩሎም ይብል ሄኖክ ሰማግዝሄር።ኣቶ ቴድሮስ ይምልስ፣ናተይ ሓላፍነት ኣብ መንገዲ ንዝዋዓሉ ስደተኛታት ምቅባል‘ውን ዝሓቊፍ‘ዩ።ብኣካል ከዘራርቦም ከለኹ ክሳብ ክልተ ወርሒ ብእግሮም ዝተጓዓዙ ምህላዎም‘ውን ፈሊጠ‘ለኹ፣ብሕልፊ ደቆም ብዙሕ ተጎዲኦም‘ዮም ስለዝበፅሑ ተግባር ትካላት ገበርቲ ትካል ነቶም ዝተጎድኡ ህፃናት መግቢን ማይን ምልጋስ፣ንመሰል ስደተኛታት ምኽባርን ናይ ገዛን መብሰሊ መግቢ ምሃብን ዘጠቃልል ስራሕ ከምዝፍፀም ገሊፁ።

ካብ ዞባ ቦረና ኢትዮዽያ ናብ‘ቲ ካምፕ ዝኣተው ሰባት ኣለው ዝብል ሓበሬታ ኣሎ‘ሞ ክተረጋግፀልና‘ዶ ትኽእል ንዝብል ሕቶ ኣቶ ቴድሮስ ዝሃቦ መልሲ" አነ ክሳብ ዶብ ሶማል ዘሎ ከባቢ በፂሓ ርኤየ'ለኹ ዛጊድ አነ ክሳብ ዘለኹሉ ከባቢ ዳዳብ ካብ ወገን ኢትዮጵያ ዝመፀ ከምዘየለ'የ ተረድኤ። ንቅበሎም ዘለና ስደተኛታት ሶማልያውያን ካብ ማእኸላይ ደቡብ ሶማል ዝመፁ ምኻኖም'ዩ ዘለኒ ሓበሬታ ይብል ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዳዳብ ዝሰርሕ ሰራሕተኛ ቴድሮስ ሙሉጌታ።

ቅድሚ ዓመታት ዝመፁ 17-ሽሕ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት አለው፡ ግን ነዊሕ ዝገበሩን ናብ ኻልእ ሃገር ንምኻድ ዝፅበዩ ዘለው ምኻኖም'የ ዝፈልጥ ክብል ቴድሮስ ሙሉጌታ ንሬድዮ ድምፂ አሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለ- መጠይቅ ተዛሪቡ።

XS
SM
MD
LG