ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዲረክተር USAID ንመዕቆቢ ስደተኛታት ዳዳብ ርእዮም ተመሊሶም


Raj Shah
Raj Shah

ስደተኛታት ሶማል፡ ብዝክኣል መጠን ካብ ቦትኦም እንተዘይመዛበሉ ዝሓሸ`ዩ፡ ምኽንያቱ እቲ ጉዕዞ ሕሱምን ከቢድን ኢሎም

ዲረክተር ኣህጉራዊ ልምዓት U.S ራጅ ሻሕ፡ ኣብ ካምፕታት ዳዳብን ኣብ`ቲ ኸባብን ምስ በጻሕኩ፡ኣብ ሶማልያን ምሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማዕረ ኽንደይ በዳህን ሕሱምን ስቓይ ከምዘሎ ክርኢ ክኢለ ኢሎም።

100 ኪ.ሜ ብእግራ ዝተጓዕዘት ሰበይቲ ክተዛርብ ከለኻ ዝስምዓካ ፍሉይ`ዩ፡ ደቀንስትዮ ሶማል፡ቆልዑት ጸይረን፡ ዝሓመሙ ተሰኪመን፡ ክመጻ ምርኣይ ዘሰንብድ ኢዩ ኢሎም።

ብዝዕባ ዕላማታት USAID ዝተሓተቱ ዶ/ር ሻሕ፡ U.S ኣብ ኣፍሪቃ ውሕስነት መግቢ ንኽረጋገጽ ንምሕጋዝ ቕርብቲ ኣላ ኢሎም።

ምስ ሓላፊ ቪኦኤ ክፍሊ ቀርኒ ኣፍሪቃ Fred Cooper ዝገበርዎ ቃለ-መጠይቕ ንምስማዕ ኣብ`ዚ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG